ኣዲስ ኣበባ፣15 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ውህደት ምጣነ ሃፍቲ ዓብዪ ምዕራፍ ዝኸፈተ ስትራቴጂካዊ ፕሮጀክት ብምትሕብባር መንግስታት ኢትዮጵያን ጅቡትን ዕላዊ ተገይሩ።
እዚ ዓብዪ ፕሮጀክት ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ዳመርጆግ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ደወሌ ዘራኽብ ዶብ ተሳጋሪ ዝተፃረየ ፍርያት ነዳዲ መጓዓዝያ ዝርግሐ ቧንቧ መስመር እዩ።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ዝርከብ ዓብዪ ኢንዱስትሪ ትካል ዳንጎቴ ግሩፕን ብዝተገብረ ሓባራዊ ሽርክነት ዝትግበር እቲ ፕሮጀክት፣ ንሃገራት ኣፍሪካ ውሽጣዊ ካፒታል ኣብ ኣጠቓቕማ ዘላቒ መሰረተ ልምዓት ኣብ ምህናፅን ኣብነት ዝኸውን እዩ።
ናይዚ ልምዓት ቀንዲ ኣካላት ኣብ ክልቲኡ ጫፋት ዝተሃንፁ መኽዘናት ነዳዲ ዘለዎ 120 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ነዳዲ መጓዓዝያ ቧንቧ መስመር እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ መስመር ንግዲ ኢትዮጵያን ጅቡትን ክካየድ ዝበዝሐ መጓዓዝያ ነዳዲ ኣብ ከበድቲ ፅዓንቲ ቦቴታት ዝተመርኮሰ እዩ ነይሩ።
ስርዓት መጓዓዝያ ነዳዲ ናብ ቧንቧ መስመር ምስግጋሩ፣ ንነዊሕ ግዜ ዕንቅፋት ኮይኖም ዝፀንሑ ብዙሓት ብድሆታት ንምፍታሕ ዘኽእል እዩ።
እቲ መስመር ኣብ መንገድታት ዝረአ ፅዕነት ከበድቲ ተሽከርከርቲን ዕንቅፋታት መስገሪ ዶብን ብምውጋድ፣ ወፃኢታት ፅዕነትን ግዜ መጓዓዝያን ብልዑል ክንክይ እዩ።
ኣብ ዳመርጆግን ደወሌን ዝርከቡ መኽዘናት ነዳዲ ስትራቴጂካዊ ዲፖታት ነዳዲ ክልቲኦም ሃገራት ከደልድሉ እዮም፤ እዚ ድማ ንውሽጣዊ ምክፍፋል ነዳዲ ካብ ምዝባዕ ዕዳጋን ምቁራፅ ኣቕርቦትን ክከላኸል ይኽእል እዩ።
ኣብ ዓመት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጉዕዞታት ቦቴ ብቧንቧ መስመር ምትካእ፣ ልቀት ካርቦን ካብ ምንካይ ብተወሳኺ ጉድኣት መንገድታት ክንክይን ኣብ ግዜ መጓዓዝያ ዝፍጠር ብኽነት ነዳዲ ክውገድን ይገብር።
እዚ ፕሮጀክት ንዓበይቲ ሃገራት ኣፍሪካ ንሓባራዊ ዕቤትን ክደጋገፋን ክተሓባበራን ከምዘለወን ዘርኢ እዩ።
ኣብ መንጎ መንግስታት ክልቲኦም ሃገራት ዝተመስረተ እዚ ሽርክነት ሉዓላዊ ሃፍቲ ሃገር ምስ ልምድን ተሞክሮን ውልቀ ሰብሃፍቲ ብምውህሃድ ዝተሃነፀ ዓብዪ መሰረተ ልምዓት እዩ።
እዚ ፕሮጀክት ካፒታል ኣፍሪካን ዞናዊ ሽርክነታትን ንዝተሓላለኹ ድሌታት መሰረተ ልምዓት ብቐጥታ ክፈትሑ ከም ዝኽእሉ ዘረጋግፅ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ከም ዘመልከቱዎ፣ እቲ ነዳዲ ቧንቧ መስመር ካብ መጓዓዝያ ነዳዲ ንላዕሊ ንዝተኣሳሰረን ፅኑዕን ናይ ኣፍሪካ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምዕዋት ከምኡውን ኣብ ሓባራዊ ራህዋ ዝግበር ንጡፍ ኢንቨስትመንትን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ሓድሽ መዐቀኒ እዩ።
ብምሕረት ደምሴ