ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ስሩዕ ከይዲ ምሃር ምስትምሃር ጀሚሩ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ኩነታት ንግዚኡ ናብ ካልኦት ዩኒቨርሲቲታት ተመዲቦም ክመሃሩ ዝፀንሑ ተማሃሮ ሓዊሱ ነባራትን ሓደሽቲ ኣተውቲን ተማሃሮ ከምዝተቐበለ ይዝከር።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከቡ ሸውዓተ ኮሌጃት ዝርከቡ ክፍልታት ትምህርቲ ስሩዕ ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ከምዝጀመሩ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣፍሊጡ።