ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ምልቃቕ ካርቦን ናፃ ዝኾነ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ብዝሓዘቶ ሃገራዊ ትልሚ ጭቡጥ ለውጢ ተመዝግብ ኣላ ኢሎም ምሁራን እቲ ዓውዲ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ መምህርን ተመራማሪን ትምህርቲ ስነ መንግስቲን መፅናዕቲ ልምዓትን ኮሌጅ ማሕበራዊ ሳይንስን ስነ-ሰብን ጣሰው ታደሰ ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ፤ ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ሉኣላውነት ምግቢን ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ዜጋታትን እናኣራኸበ ይርከብ።
ኢትዮጵያ ጉባኤ ክሊማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኮፕ-32) ክተተኣናግድ ምምራፃ፤ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓትን ዲፕሎማሲ ክሊማን ዘለዋ ኣበርክቶ ዘረጋግፅ ታሪኻዊ ዕድል ምዃኑ ገሊፆም።
እቲ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዱ፤ እታ ሃገር ፅልዋ ለውጢ ክሊማ ንምክልኻል ዝፈፀመቶም ጭቡጣት ተግባራት ኣፍልጦ ዝረኸበሉ ምዃኑ ኣልዒሎም።
ልምዓት ዝሕደስ ሓይሊ ካብ ቃል ኪዳን ናብ ተግባር ብምቕያር ልዕሊ 95 ሚእታዊ ካብ ሓፈሻዊ ቀረብ ኤሌክትሪክ ካብ ፍልፍላት ዝሕደስ ሓይሊ ከምተፍሪ ተዛሪቦም።
ነዚ ድማ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ጭቡጥ መርኣያ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ንጎረባብቲ ሃገራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ፍልፍላት ዝሕደስ ሓይሊ ብምቕራብ እቲ ዞባ ካብ ምልቃቕ ካርቦን ናፃ ንኽኸውን እጃማ ትዋፃእ ከምዘላ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ምፅዋር ፅልዋ ለውጢ ክሊማ ዝሰርሐቶ ጭቡጥ ስራሕ ብግቡእ ክተፋልጥን ክትሸይጥን ይግባእ ክብሉ ዝገለፁ ድማ፤ ምክትል ፕሮፌሰር ኮሌጅ ሕርሻ ዩኒቨርሲቲ ሓዋሳ ተራማጅ ተስፋዬ እዮም።
ኢትዮጵያ ብዝወሰደቶም ተግባራዊ ስጉምትታት መተኣናገዲት ኮፕ-32 ኮይና ከምዝተመረፀት ብምግላፅ፤ እቲ ዕድል ብምጥቃም ንዓለም ብዛዕባ ለውጢ ክሊማ ከነምህር ይግባእ ኢሎም።
ኣብዚ መዳይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንቅልውላው ክሊማ ከም ፍሉይ መልሲ ዝፅራሕ ተሞክሮ ምዃኑን በዚ ድማ ብዙሕ ጭቡጥ ለውጢ ከምዝተመዝገበን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ ሓለዋ ከባቢ ቀፃሊ ዝኾነ ስራሕ ትሰርሕ ከምዘላ ዝገለፁ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ተራማጅ ተስፋዬ፤ በዚ ድማ ስነ ምህዳር ከባቢ ከምዝተስተኻኸለ፣ መሬት ከምዝሓወየን ፍርያትን መፍረያይነትን ሕርሻ ከምዝወሰኸን ኣብሪሆም።
ዝዓረቑ መሬታት ብምልማዕ መናእሰይ ብማሕበር ተወዲቦም ዕድል ስራሕ ክረኽቡ ምቹው ኩነታት ከምዝተፈጠረ ብምግላፅ፤ ከም ሃገር ዝተሰርሐ ስራሕ ንዓለም ብምርኣይ ሃገርና ናይ ምልላይን ምስራፅን ስራሕ ብትኹረት ክስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ብማቴዎስ ፈለቀ
#ኢትዮጵያ #ኮፕ_32_ኢትዮጵያ #COP31 #COP32 #COP32ETHIOPIA #fanamediacorporation