ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ምዃና ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊን ኢኮኖሚዊን ፅልዋ ብሓዱሽ ደረጃ ዘዕበየትሉ ዓብዪ ስትራቴጂካዊ ምዕራፍ እዩ።
እተን ሃገራት ኣብ ምኽሪ ቤት ዓለም ኣቀፍ ውድብ ሲቪል ኣቪየሽን (ICAO) ውክልና ንምርካብ እተካይዶ ፃዕሪ ብሪክስ ምድጋፉ፣ ካብቶም ዓበይቲ ረብሓታት እቲ ጉጅለ ሓደ መርኣያ ኮይኑ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ብሕታዊት ሕፅይቲ ኮይና ንዝቐረበትሉ ኣባልነት እቲ ቤት ምኽሪ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ከምዝቖማ ኣረጋጊፀን።
ነዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ህንዲ ኒው ዴልሂ ዝተኻየደ መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ኣብ ዘውፀአኦ መግለፂ ኣቋም ኣመልኪተን።
ኣባል ምኽሪ ቤት ዓለም ኣቀፍ ውድብ ሲቪል ኣቪየሽን ምዃን፣ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዘፈር እተርእዮ ዘላ መሪሕነታዊ ግደ ብዝያዳ ንምጥንኻር ዘኽእላ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዓብዪን ዕዉትን መገዲ ኣየር ዘለዋ ሃገር ብምዃና፤ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ምምራፃ ዓለም ለኸ ሕግታት ኣቪየሽን፣ መምርሒታት ድሕንነትን ዕላማታት ሓለዋ ከባቢን ኣብ ዝሕንፀፀሉ ከይዲ ብቐጥታ ተሳታፊትን ውሳነ ወሃቢትን ክትከውን ዘኽእላ እዩ።
እዚ ድማ ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ሕግታት፣ ደንብታትን ኣሰራርሓታትን ካብ ምትግባር ብተወሳኺ ናይ ኣፍሪካ ሃገራት ዝርከቦም ዝምዕብሉ ሃገራት ናይ ኣቪዬሽን ድሌትን ድምፅን ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጃ ብብቕዓት ንኸንፀባርቕ ሰፊሕ ዕድል ይፈጥረላ።
ደገፍ ኣኼባ ብሪክስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለምለኻዊ ትካላት ውክልና ንምርካብ ኣብ እተካይዶ ፃዕሪ ከም መሰረታዊ ደገፍ ኮይኑ ዘገልግል እዩ።
ብሪክስ ከም ቻይና፣ ህንዲ፣ ሩስያን ብራዚልን ዝኣመሰሉ ፅልዋ ዘለዎም ሃገራት ዝሓቖፈ ብምዃኑ፤ ደገፍ እቲ ኣኼባ ውክልና ኢትዮጵያ ተቐባልነት ንኽረክብ ኣዝዩ ይሕግዝ።
ብተወሳኺ ብሪክስ ኢትዮጵያ ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን እተካይዶ ፃዕሪ ምድጋፉ፣ ኣብ ዓለምለኻዊ ንግድን መጓዓዝያን ዘፈራት እተካይዶ ሓፈሻዊ ውህደት ንኽፋጠን ይገብር።
ብኣብርሃም ኣበራ