ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) መላእ ኢትዮጵያውያን ሓድሽ ዓመት 2019 ተቐቢሎም ኣብ ምኽባር ይርከቡ።
መለወጢ ዘበን ኢትዮጵያውያን ዝኾነት ሓደ መስከረም ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረት ይርከብ።
ኣቦታት ሃይማኖት ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ናይ እንኳዕ ኣብፅሓኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣብ መልእኽቶም ድማ ኣብዚ ዓመት ንሰላምን ዕቤትን ሃገር ብምስራሕ ንሓድሕድና ምርድዳእን ምትሕግጋዝን ከነጠናኽር ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ እውን እዚ ሓድሽ ዓመት ናይ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ራህዋን ሓጎስን ክኸውን ትምኒቶም ገሊፆም።
መንግስቲ ኣብ 2018 ዓ.ም ዝተመዝገቡ ዓወታት ኣብ ሓድሽ ዓመት ዝያዳ ብምጥንኻር ንምቕፃል ከም ዝሰርሕ እውን ኣፍሊጡ።