መርሃ ግብሪ ሃገር ለኸ ፀሎት ቀፃሊ 16 ግንቦት ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ 16 ግንቦት 2018 ዓ.ም መርሃ ግብሪ ሃገር ለኸ ፀሎት ክካየድ እዩ ኢሉ ቤት ምኽሪ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ።
ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ቐሲስ ሊቀ ትጉኃን ታጋይ ታደለ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ ጉዳይ ሃገር መርሃ ግብሪ ኣደባባይ ፀሎት ከምዝካየድ ገሊፆም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፀሎት ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ልምዓት ንምጥንኻር ዝተዳለወ ምዃኑ ብምሕባር፤ ሃገራዊ ረብሓታትና ንምሕላው፤ ከምኡ እውን ሰላምን ሓድነትን ንምህናፅ ኣብግምት ዘእተወ እዩ ኢሎም፡፡
16 ግንቦት ሰንበት እቲ መርሃ ግብሪ ካብ ሰዓት 9፡00 ጀሚሩ ኣብ ፓርክ ኣራዳ ፀሎት ከምዝካየድ ገሊፆም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፀሎት መራሕቲ ሃይማኖት፣ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ወከልቲ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያን ሃገራዊ ኣማኻሪ ኮሚሽን ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽ ክሳተፉ እዮም።
ብቅድስት ብርሃኑ
Comments (0)
Add Comment