መርሃ ግብሪ ሓለዋይ ኣሰር ብኩሉ መዳይ ጭቡጥ ውፅኢት እናምፀአ ይርከብ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲሰ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ብብርኪ ሃገር እናተወገነ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ሓለዋይ ኣሰር ክሌማዊ ለውጢ ካብ ምፅዋር ጀሚሩ ብኹሉ መዳይ ጭቡጥ ውፅኢት እናምፀአ ይርከብ ኢሎም፡፡

ኣባላት፣ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ቤት ፅሕፈት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም፡፡

ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ማሕለኻ ዓለም እናኾነ ዝመፅአ ምዝባዕ ክሌማዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ብምርዳእ መፍትሒ ንምእላሽ ውፅኢታዊ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብምሕንፃፅ ብቖራፅነት እናሰርሐት ትርከብ።

እቲ መርሃ ግብሪ ሽፋን ደኒ ብልዑል ኩነታት ክዓቢ ምግባሩ ብምግላፅ፤ እዚ ዓወት ኣጠናኺርካ ንምቕፃል መላእ ህዝቢ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ እዚ ዓመት ብንቕሓት ብምስታፍ ዜግነታዊ ሓላፍነቱ ንኽዋፃእ ፀዊዖም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment