ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ነበር ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዘለዉ ዕድላት ስራሕ ተጠቀምቲ ንክኾኑ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ።
እቶም ሚኒስትር እዚ ዝገለፁ፤ ምስ ኣማኻሪ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብምዃን ኣብ መቐለ ማእኸል ስልጠና ተሃድሶን ዳግመ ሕውየትን ስልጠናኦም ዝዛዘሙ ነበር ዕጡቓት ዑደት ድሕሪ ምግባርን ምስ ተሳተፍቲ ድሕሪ ምዝታዮምን እዩ።
ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ኣብቲ እዋን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ዕድላት ስራሕ ከምዘለዉ ብምሕባር፣ እዚ ድማ ንነበር ዕጡቓት መናእሰይ እኹል ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ምቹው ኩነታት ከምዘሎ ዘመልክት እዩ ኢሎም።
ራኢ ልምዓት 25 ዓመት እታ ሃገር ጋህዲ ብምግባር ኢትዮጵያ እትፍራሕ፣ እተፍሪን እትኽበርን ሃገር ንክትኸውን ብኣምር መንግስቲ መደመር እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም።
ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ ብወገኖም፤ ብመገዲ መንግስቲ ፌዴራልን እቲ ኮሚሽንን ኣብ ክልል ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ስልጠናኦም ዝዛዘሙ 7 ሺሕ ነበር ዕጡቓት ሓዊሱ ልዕሊ 63 ሺሕን 500 ዝኾኑ ነበር ዕጡቓት ተጠቀምቲ እቲ ከይዲ ስልጠና ተሃድሶ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
እቶም ነበር ዕጡቓት ናብ ሕብረተሰብ ኣብ ዝፅንበሩሉ እዋን፤ ንስራሕን ንህንፀት ዓቕምን ዝውዕል 7 ነጥቢ 3 ቢልየን ብር ሓገዝ ገንዘብ ከምዝተገበረ እውን ፀሪሖም።
ካብዚ ብተወሳኺ ንምግቢን ክዳውንቲን ዝውዕል 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ ብሓፈሻ መንግስቲ ፌዴራል ንስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ዝውዕል 9 ቢልየን ብር ወፃኢ ከምዝገበረ ኣብሪሆም።
ብግዛቸው ግርማዬ