መበል 55 ስሩዕ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ውሳነታት ኣኼባ

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መበል 55 ስሩዕ ኣኼባኡ ብምክያድ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ተመያይጡ ኣሕሊፉ።
1. ፈለማ ቤት ምኽሪ ኣብ ክልተ ፋይናንሳዊ ሓገዝን ስምምዓት ልቓሕን ዘትዩ። እቲ ቀዳማይ ንሰበኽ ሳግም ምምሕያሽ ምግብን መነባብሮን ንምትግባር ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ናይ ኣርብዓን ሽዱሽተን ሚሊየን ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ (46,300,000) ዶላር ኣሜሪካ ናይ ልቓሕ ስምምዕ እዩ።
ቤት ምኽሪ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምክያዱ ተወሳኺ እታዎታት ሒዙ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከመሓላልፎ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
2. ቀፂሉ ቤት ምኽሪ ኣዋጅ ኣብ ምምሕዳር ግብሪ ፌደራል ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ተዘራሪቡ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምክያዱ ተወሳኺ እታዎታት ሒዙ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከመሓላልፎ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
3. ቀፂሉ ቤት ምኽሪ ኣብ ልዕሊ ኩባንያታት ሕርሻን ቢዝነስን ዝምልከት ረቂቕ ኣዋጅ ተዘራሪቡ። ዘፈር ሕርሻ ካብ ባህላዊ ስርዓት ናብ ብቢዝነስ ዝምራሕ ስርዓት ንምቕያር፤ ናይ ንኣሽቱ ኣፍረይቲ ናይ ዕዳጋ ድርድር ሓይሊ ንምዕባይ፣ ተወሳኺ እሴትን ኢንዱስትርያዊ እታዎታትን ምትእስሳር ንምፍጣር፤ ዝሓሸ ደረጃ ዘለወን ሃገራት ናብ ማእከላይ እቶት ዘለወን ሃገራት ንምስግጋር ዝድግፍ ሕጋዊ ኮይኑ ከገልግል፤ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅን ዕድላት ስራሕ ንምፍጣርን እዩ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምክያዱ ተወሳኺ እታዎታት ሒዙ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከመሓላልፎ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
4. ካልእ ኣብቲ ባይቶ ዝተዘተየሉ ኣርእስቲ ረቂቕ ኣዋጅ ዕዳጋ ካርቦን ኢትዮጵያ እዩ። እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ተዳልዩ ናብ ባይቶ ቀሪቡ ስትራተጂ ዕዳጋ ካርቦን ኢትዮጵያ ንምትግባር ንሓምለዋይ ኢንቨስትመንትን ስግግር ቴክኖሎጂን ምችው ኩነታት ንምፍጣር፣ ከይዲ ኣሰራርሓን ንግዲ ካርቦን ብንፁር ንምግላፅ ከምኡ እውን ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ሕብረተሰብን ጉድኣት ንምክልኻል ዝሕግዙ ኣገባባት ንምትካል እዩ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምክያዱ ተወሳኺ እታዎታት ሒዙ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከመሓላልፎ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
5. ረቂቕ ኣዋጅ ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ ካልእ ኣብ ባይቶ ዝዝተየሉ ኣጀንዳ እዩ። እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ሞያዊ ናፅነት ኣገልግሎት ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ተራ ተቖፃፀርትን ፈፃምትን ኣካላት ኣብ ቁፅፅርን ኣሰራርሓ ተግባራትን ብግልፂ ንምርኣይ፣ተበፃሕነቶም ንምርግጋፅ ከምኡ እውን ሃገራዊ ኣሰራርሓታት ምስ ኣህጉራዊ ስታቲስቲካዊ መትከላትን ደረጃታትን ንምስምማዕ ዝተዳለወን ዝቐረበን እዩ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምክያዱ ተወሳኺ እታዎታት ሒዙ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከመሓላልፎ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
6. ከምኡ እውን እቲ ባይቶ ኣብ ረቂቕ ፖሊሲ ኢነርጂ ተመያይጡ። እቲ ፖሊሲ ምስ ሃገር ለኸ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ናይ ዓሰርተ ዓመት ትልሚ ልምዓት፣ ከምኡ እውን ስትራተጂ ልምዓት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ውሑስን ብተመጣጣኒ ዋጋን ተወዳዳሪን ቀረብ ኢነርጂ ንምርግጋፅን ተጠቃምነት ዜጋታት ንምርግጋፅን ዝተዳለወ እዩ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምክያዱ ተወሳኺ እታዎታት ሒዙ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከመሓላልፎ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment