መናእሰይ ልኡኻት ኢትዮጵያ ኣብ ሩስያ ሃገሮም የፋልጡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መናእሰይ ልኡኻት ኢትዮጵያ ኣብ ሩስያ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓለም ለኸ ፌስቲቫል መናእሰይ ብምስታፍ ሃገሮም ንዓለም ኣላልዮም።

መናእሰይ ልኡኻት ኢትዮጵያ ኣብ ሩስያ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓለም ለኸ ፌስቲቫል መናእሰይ ብምስታፍ፤ ውቁብ ባህላዊ ሃፍቲ ሃገሮም፣ ታሪኻዊ ሓድጊታት፣ ሓደሽቲ መስሕባት ቱሪዝምን ፍሉያት ሃገራዊ መለለዪታትን ንማሕበረሰብ ዓለም ብብቕዓት ኣፋሊጦም።

እቶም መናእሰይ ኣብዚ ዓብዪ ዓለም ለኸ መድረኽ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ምስ ዝመፅኡ መናእሰይ ብዝነበሮም ጥቡቕ ርክብ፤ ጥንታዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ፣ ባህሊ ኣቀባብላ ጋሻን መስሕብ ቦታታትን ብዝግባእ ብምግንዛብ ውፅኢታዊ ስራሕ ዲፕሎማሲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣካይዶም።

Comments (0)
Add Comment