መንግስቲ መደመር ፈተናታት ናብ ዕድል እናቐየረ ውፅኢታት እናመዝገበ ይርከብ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ መደመር ተፈጥሮኣዊን ብሰብ ስራሕ ፈተናታት ናብ ዕድል እናቐየረ ኣብ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን መዳያት ዓበይቲ ውፅኢታት እናመዝገበ ይርከብ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

ቀዳማይ ሚኒስተር ንበዓል ኢሬቻ ምክንያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር እናሃለወት ክብሪ ስማ ዝግባእ ከይተጠቐመትን ከም ስማ ከይኮነትን ንነዊሕ ዘበናት ምሕላፋ ኣዘኻኺሮም።

እታ ሃገር ብዙሓት ተፈጥሮኣውን ብሰብ ዝተፈጠሩን ሃፍታት እናሃለዋ፣ ብፍልጠትን ስርዓትን ስለዘይተመርሐት ጥራይ፣ ነዞም ፀጋታት ናብ ርኡይ ዓቕሚ ክትቕይሮም ከይከኣለትን ናይ ድኽነት ተምሳሌትነት ኮይና ክትጠቐስ ከምዝፀንሐትን ገሊፆም።

ብተወሳኺ ንነዊሕ ዘበናት ዝፀንሐ ታሪኽ ሃገረ መንግስትነት እኳ እንተሃለዋ፣ መሰረታዊ ፀገማት ህዝቢ ዝፈትሕን ንሃገር ናብ ዝሓሸ ደረጃ ዘሰጋግርን ዘበናዊ ምምሕዳር ንምህናፅ ክትፅገም ከምዝፀንሐት እዮም ዝገለፁ።

ኢትዮጵያ ናብ ዓብዩ ስልጣነ ንምስግጋር ዝተዳለወ ስትራቴጂካዊ መርሃ ግብሪ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብተግባር እናተተግበረ ከምዘሎ ብምሕባር፣ መንግስቲ መደመር ተፈጥሮኣውን ብሰብ ዝተፈጠሩን ፈተናታት ናብ ፅቡቕ ዕድል ብምቕያር ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን መዳያት ዓበይቲ ውፅኢታት እናመዝገበ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ህንፀት ዓብዪ ሕዳሴ ግድብ ኢትዮጵያ ብዓወት ምዝዛሙ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ብዓወት ምክያዱ፣ ፋብሪካ ዱኽዒን ፕሮጀክት መፃረዪ ነዳድን ምጅማሮም፣ ከምኡ እውን ህንፀት ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ምጅማሩ፣ ነዚ ዓብዩ ዓወት ዋና መርኣያታት ምዃኖም ሓቢሮም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝቢ #ዓብዩራእይ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment