ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ ሰላም ኣብ ምዕቃብ ተረባሕነት ህዝቢ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ተካይዶም ኢሎም ሚኒስቴር ሰላም መሓመድ እድሪስ፡፡
ኣብ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣብ ዝርከብ ማእከል ግዝያዊ ዲሞብላይዜሽን ጎንደር ንነበር ዕጡቓት ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ።
እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ሰላም ወሳኒ ጉዳይ ስለዝኾነ መንግስቲ ኩሉ ግዜ ንሰላም በሩ ክፉት እዩ ኢሎም።
ኮሚሽነር ብሄራዊ ተሃድሶ ተመስገን ጥላሁን ብወገኖም ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ 88 ሽሕ ነበር ዕጡቓት ስልጠና ተሃድሶ ከምዝወሰዱ ሓቢሮም፡፡
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ማእኸላት ልዕሊ 15 ሽሕ ነበር ዕጡቓት ብኽልተ ዙርያ ኣብ ተሃድሶ ስልጠና ከምዝተዋህቦም ተገሊፁ።
ብምናለ ኣየነው