ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም. (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባር ኩሎም ዓቕሚታት እናተጠቐመ ይርከብ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ኣላሴ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ፌዴሪኢ 7ይ ዘበነ ስራሕ 1ይ ዓመት ሓባራዊ ስሩዕ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓዊሱ ዝተመርፁ ኣባላት ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ኣብ ዝተረኽብሉ ተኻይዱ።
ናይ ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን 7ይ ዘመነ ስራሕ፣ 1ይ ዓመት ዝገብርዎ ሓበራዊ ስሩዕ ኣኼባ፣ ሓዊሱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ዝተመርፁ ኣባላት ክልቲኦም ቤት ምኽርታት ኣብ ዝተረኽቡሉ ተኻይዱ።
ፕሬዚደንት ታዬ ኣብ ዘስምዑዎ መኽፈቲ መደረ፤ መንግስቲ ብሄራዊ ረብሓታት ንምኽባር፣ ፖለቲካ እታ ሃገር ክዝምንን ክጉልብትን ክገብር ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ስትራተጂ ዝምድናታት ወፃኢ ኢትዮጵያ ብምሕንፃፅ ናብ ተግባር ከምዝኣተወ ብምዝኽኻር፤ በዚ መገዲ ድማ ብሄራዊ ረብሓ ካብ ምኽብባር ሓሊፉ ብዙሓት መሓዙትን መሻርኽቲን ንምውሳኽ ከም ዝተኻእለ ገሊፆም።
ዓውዲታት ፀፅታን ድሕነትን ብዝበለፀ ክዝምኑን ክጉልብቱን ከምዝተገበረ ዝገለፁ ፕሬዚደንት ታዬ፤ ዓውዲታት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ልምዓት ከተማን ገፀርን ምስ መሰረታዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ክተኣሳሰሩ ንምግባር ከም ዝተኽኣለ ኣብሪሆም።
እቲ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ሃገራዊ ዘተ ማሕበራዊ ክብሪታት ብምትእስሳር ሓበራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ብምህናፅ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብልዕልነት ሓሳብ ዝኣምንን ህድኣት ከም ሓባራዊ ሃፍቲ ዝገብርን ንኽኸውን ከምዝገበሮ ገሊፆም።
ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ድሌቶም ሰላምን ራህዋን ከምዝኾነ ገሊፆም።
ብኻልእ መዳይ ኣብ መምርሒ ፍትሓዊነትን ሓባራዊ ተረባሕነትን ተደሪኹ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንኽህልዋ ኣብ ዝተኻየደ ፃዕሪ ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ንኽትረክብ ከምዝሓገዘ ኣመልኪቶም።
ብሚኪያስ ኣየለ