መንግስቲ ዝሃቦ ህፁፅ ምላሽን ደገፍ ህዝቢ ትግራይን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ተቛሪፆም ዝነበሩ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ንምምላስን ብዓቕሙ ኣብ ህፁፅ እዋን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብን ዝሰርሖም ስራሕቲ ቀፂሉ ኣሎ።

በዚ መሰረት እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝፍፅሞ ዝነበረ ፀረ ሰላምን ፀረ ህዝብን ተግባራት ደው ብምባል፤ መንግስቲ መሰረት ሰላምን ልምዓትን ምዃኑ ብተግባር ዘረጋገፀሉ ቁርፀኛ ስጉምቲ ብምውሳዱ ህዝቢ እቲ ክልል ኣየር ሰላም እናተንፈሰ ይርከብ። እቲ ህዝቢ ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ እውን ደገፉ እናገለፀ ይርከብ።

መንግስቲ ብዝሃቦ ህፁፅ ምላሽ ህዝቢ እቲ ክልል ናብ ሰላማዊ ዕለታዊ ንጥፈታቱ እናተመለሰ እንትኸውን፣ ከም ባንክን ቴሌኮምን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ክኣትዉ ጀሚሮም ኣለዉ።

ብተወሳኺ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣየር ናብ ስራሕ ተመሊሱ እዩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ናብ መቐለ ዝገብሮም በረራታት ዳግማይ ኣጀሚሩ ኣሎ።

ብመንግስቲ ሰላምን ዳግመ ህንፀትን ዝተረኽበ ኣወንታዊ ውፅኢት ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ ደገፉ እናገለፀ ይርከብ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማ ዓዲ ጉዱም ዝተኻየደ ድሙቕ ህዝባዊ ሰልፊ ንፃዕርታት ሰላምን ስጉምትታት ምምላስ ኣገልግሎታትን ፌዴራል መንግስቲ ዘለዎ ምሉእ ደገፍ ዘርኣየሉ እዩ ነይሩ።

ካብዚ ብዝሓለፈ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዘይሕጋዊን ድሑርን ጉጅለ ህወሓት ይበፅሖ ዝነበረ ጭቆናን ብግልፂ ዘመልክት ከምኡ እውን ኣየር ሰላም ምስትንፋስ ምጅማሩ ዘርኢ እዩ።

መንግስቲ ብዝወሰዶም ስጉምትታት ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ባንክን ቴሌፎንን ምጅማሩ፣ ነበርቲ ብሰላም ክወፁን ክኣትዉን ምጅማሮም ስዒቡ ነበርቲ እቲ ክልል መንግስቲ እቲ ዝተረኽበ ሰላም ከጠናኽር ሓቲቶም።

መንግስቲ ኣብቲ ክልልን ኣብ ካልኦት ከባቢታትን ቅልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ከባቢታት ብምፍላይ ሓገዝ ናይ ምብፃሕ ፃዕሩ ኣጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣላማጣን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ከቢድ ፀገምን ስቓይን ንዝነበሩ ወገናትና ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብፃሕ ተጀሚሩ እዩ።

ኣብቲ ክልል ተቛሪፁ ዝፀንሐ ምፍታሕ ኣፅዋርን ዕጡቓት ሓይልታት ምውፃእን ናብ ሰላማዊ ህይወት ምምላስን ዘጠቓልል ከይዲ ዲ.ዲ.ኣር እውን ዳግም ተጀሚሩ ኣሎ።

ካብ ጎንፂ ወፂኦም ናብ ሰላማዊ ህይወት ክምለሱ ዝወሰኑ ዕጡቓት ዝቐረበሎም ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ኣብ ማእኸላት ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል እናተመዝገቡ ይርከቡ።

ህዝቢ ትግራይ ንነዊሕ ዓመታት ካብ ጭቆና እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ተገላጊሉ፣ ኣብዚ እዋን ኣየር ሰላም እናተንፈሰ ይርከብ።

መንግስቲ ንሕቶታት ሰላምን ልምዓትን እቲ ህዝቢ ዝሃቦ ቅልጡፍ ምላሽን ደገፍ እቲ ህዝቢን፣ ኣብ ሓፂር እዋን ኣወንታዊ ውፅኢታት ንምምዝጋብ ኣኽኢሉ እዩ።

ሃገራዊ ልኡላውነት ንምኽባርን ጉዕዞ ምዕባለኣ ኣጠናኺራ ንምቕፃልን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንጡፍ ተሳትፎ ህዝቢ እናተጠናኸረ ክቕፅል ትፅቢት ይግበር።

ብቴዎድሮስ ሳህለ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment