ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሉኣላዊነትን ሓድነትን ሃገር ካብ ምኽባር ብተወሳኺ ህያው መርኣያ ህብረ ብሄራዊነት እዩ።
እዚ ሰራዊት ኣብ ዝሓለፉ ዘበናት ኣወዳድብኡን ዘበናውነቱን እኳ እንተተቐያየረ፤ ሓደ ዘይልወጥ መሰረታዊ መለለዪ ኣለዎ። ንሱ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ብሄራትን ብሄረሰባትን ዝተውፃእፅኡ ፍቱዋት ደቂ ሃገር ኣብ ሓደ ዕላማ ኣተኣሳሲሩ ዶብን ወሰንን ሃገር ምኽባሩ እዩ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዙሕነት ኢትዮጵያ ናብ ሓደ ዓብዪ ሓይሊ ኣብ ምቕያር ናይ ነዊሕ እዋን ታሪኻዊ መሰረት ኣለዎ። እቲ ሰራዊት ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዝተፈላለዩ ትካላዊ ስራሕቲ ሪፎርምታትን ምምሕያሽን ኣካይዱ እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሰራዊት ብመሰረት ቅዋም ሕገ መንግስቲ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ወገናዊነት ናፃ ኮይኑ ውክልና ኩሎም ብሄራትን ብሄረሰባትን ብዘረጋገፀ መልክዑ ዝተሃነፀ ትካል እዩ።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ግንባር ኲናት ዝዋጋእ ሰራዊት ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ምልክት ሓድነት ኢትዮጵያ፣ ሕውነትን ሓድነት ብሄራትን ብሄረሰባትን እውን እዩ። ሓድነት ብሄራትን ብሄረሰባትን እቲ ሰራዊት ሰላም ኢትዮጵያ ዘላቒ ንኽኸውን ብዙሕነት ንኽስልምን ንፅባሕ ትህነፅ ሃፍታም ኢትዮጵያ መሰረት ዘንብር እዩ።
ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ዝመፅኡ፣ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዛረቡን ዝተፈላለየ ባህሊ ዘለዎምን ኣባላት ሰራዊት ብሓደ ሓባራዊ ዕላማን ብፍቕሪ ሃገርን ተኣሳሲሮም ይቖሙ። እዚ ድማ እቲ ሰራዊት ካብ ህዝቢ ዝወፅአን ንህዝቢ ዝነብርን፣ ፍልፍል ኩርዓት ህዝቢ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
ፍለፍል ሰራዊት ምክልኻል ጦር መሳርሒ ዘበናዊነት ጥራሕ ዘይኮነስ ብውሽጡ ዝኻዞ ኻድነት ህዝቢታት እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ እቲ ሰራዊት ካብ መላእ ኩርናዕ እታ ሃገር ዝተውፃእፅኡ ውላድ ናብ ሓደ ዕላማን ብሓደ መንፈስ ኢትዮጵያዊነትን ብምሕላፍ ዶብ ሃገር ብፅንዓት እናሓለወ ይርከብ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ነፀብራቕ ታሪኽ ናፅነት፣ ሉኣላዊነትን ታሪኽ ፅንዓትን እዩ፡፡
ብትእግስት ግዛቸው