ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሽርሒን ፅዕንቶን ናይ ወፃኢ ወረርቲን ውሽጣዊ ባንዳታትን እኳ እንተተፈተነት ብብርቱዕ ቅልፅም ጀጋኑ ደቃን ብሓድነት ህዝባን ክብራ ሓልያ ዝነበረት ዓባይ ሃገር እያ።
እዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ምዕራፋት ታሪኽ ተራእዩ እዩ። ካብ ሞንጎ እዚ ድማ ኣብ እዋን ስልጣነ ኣኽሱም ዝነበረ ልዕልነት ቀይሕ ባሕሪ እዩ። ድሕሪ ምድኻም እቲ ስልጣነ እውን፣ ነገስታት ኢትዮጵያ ማእኸላይ ዘመን ንስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ኣይረስዕዎን።
ብፍላይ፣ ከም ሃፀይ ዘርኣ ያእቆብ ዝበሉ ዓበይቲ ነገስታት፣ ናብ ባሕሪ ዝወስድ መስመር ንግዲ ንምሕላውን ወፃኢ ወረርቲ ንምክልኻልን “ባሕረ ነጋሽ” (ንጉስ ባሕሪ) ዝብል ስያመ ዘለዎ ፍሉይ መራሒ ሰራዊትን ኣመሓዳሪን ይሾሙ ከምዝነበሩ ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ ኣሎ።
እዚ ድማ ትሕዝቶ መሬት እታ ሃገር ክሳብ ገማግም ባሕሪ ዝተዘርግሐ ምንባሩ ብተግባር ዘረጋግፅ ፍፃመ ታሪኽ እዩ።
ኣብ እዋን ወራር ጣልያን ጣልያናውያን ናብ ከባቢ ሰሓጢን ዋዓን እናተስፋሕፍሑ እንትመፅኡ፤ ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ንኣውሮፓውያን ወረርቲ ከምዚ ዝስዕብ ትርጉም ዘለዎ ብርቱዕ መልእኽቲ ሰዲዶምሎም ነይሮም፦
“ኣነ ኣመሓዳሪ ሮማ ኮይነ ክኸይድ ከለኹ ጥራሕ እዮም ጣልያናውያን ክሳብ ሰሓጢ ክበፅሑ ዝኽእሉ። ሓደ ግዜ ክንደይ ከምዝኾንኩ ኣርእየዮም እየ፤ እንደገና እንተመፂኦም ድማ ክደግሞም እየ። ቀይሕ ባሕሪ ባዕሉ ንኢትዮጵያ ተፈጥሮኣዊ ዶብ ኮይኑ ፀኒሒ እዩ፣ ሕዚ እውን ከምኡ ክኸውን እዩ።” ብምባል ኣብ ዶግዓሊ ዝገጠሞም ውግእ ብምዝኽኻር መልእኽቲ ሰዲዶምሎም።
እዚ ዘረባ እዚ፣ ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ብሃንደበት ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ድሌት ዘይኮነስ፤ ንልዕሊ ሺሕ ዓመታት ምስኣ ዝፀንሐ ተፈጥሮኣዊ ዶባን ኣካል ታሪኻን ምዃኑ ዝገልፅ መግለፂ ቆራፅነትን ሓቀኛ ታሪኽን እዩ።
ሎሚ እታ ሃገር ብዲፕሎማስያዊን ሰላማዊን መገዲ ተጠቃሚት በሪ ባሕሪ ንምዃን እተካይዶ ፃዕሪ ኣብዚ ታሪኻዊ ሓቂን ተፈጥሮኣዊ መሰልን ዝተመስረተ እዩ።
በሪ ባሕሪ ዳግም ምርካብ ንታሪኻዊ ዘይፍትሓዊ ውሳነ ምትዕርራይን ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓታታ ኣብ ዞባዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለምለኻዉን መድረኻት ንምኽባር ዘለዋ ቆራፅነትን ዝገልፅ ውሳነ እዩ።
ሕዚ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ዲፕሎማስያዊ መንገዲ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ትኹረት ሂባ ትሰርሕ ኣላ። ኣብ ኣህጉራዊን ዓለምለኻዊን መድረኻት እውን ሕቶኣ ብምቕራብ ካብ ዓበይቲ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ድጋፍ ረኺባ እያ።
ስለዚ ቀይሕ ባሕሪ ናይታ ሃገር ዶብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓታታ እተኽብረሉን ዞባዊ ሰላምን ልምዓትን እተረጋግፀሉን ሃፍቲ እዩ።
ብትእግስት ግዛቸው