ሚኒስቴር እቶት ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ትሪልየን ብር ኣታዊ ኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ሚኒስቴር እቶት ኣብ በጀት ዓመት 2018 ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ትሪልየን ብር ኣታዊ ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ።

ዓመታዊ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩኽን ይሳለጥ ኣሎ።

ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበለኦ፤ ኣብቲ በጀት ዓመት ኣተኣኻኽባ ኣታዊ ንምዕባይ ነቲ ከይዲ ዘዕብዩ ብዙሓት ስራሕቲ ተወጊኖም፡፡

ዓቕሚ ኣታዊ ንምድንፋዕ መሰረታት ታክስ ምስፋሕ፣ ምምሕያሽ ምሕደራን ፖሊሲ ታክስን፣ ከምኡ እውን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣገልግሎት ምትግባር ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ተዛሪበን።

ኣብቲ በጀት ዓመት ፈለማ 1 ነጥቢ 28 ትሪልየን ብር ኣታዊ ንምእካብ ተሓሲቡ እኳ እንተነበረ፤ ኣብ መንፈቕ ዓመት እቲ ትልሚ ናብ 1 ነጥቢ 5 ትሪልየን ብር ከምዝተመሓየሸ ኣዘኻኺረን።

በዚ ድም ብመሰረት እቲ ትልሚ 1 ነጥቢ 518 ትሪልየን ብር ኣታዊ ብምእካብ 101 ነጥቢ 24 ሚእታዊ ናይ ትልሚ ምፍፃም ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።

እቲ ኣታዊ ካብ ታክስ ውሽጢ ሃገር፣ ወፃኢ ንግዲ፣ ቀረፅን ታክስን ዝተኣከበ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ብዳዊት ጎሳዬ

Comments (0)
Add Comment