ዓውዲ ማዕድን፡ ሓዱሽ ዓንዲ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣12 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ መደመር፣ ሃገራዊ ዕቤት ቁጠባ ንምቅልጣፍ ካብ ዝሓንፀፆም ሓሙሽተ ቀንዲ ዓንዲታት ዕቤት ኢኮኖሚ ሃገር፣ ዓውዲ ማዕድን ሓደን ኣገዳሲን ኣንፈት ትኹረት እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ መሬታ ብዙሓት ክቡራት ማዕድናት ዝሓዘት ሃገር እኳ እንተኾነት፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እቲ ዓውዲ ንሃገራዊ ኦኮኖሚ ዝገበሮ ኣበርክቶ፣ ምስ ዓቕሙ ክነፃፀር እንከሎ ንእሽተይ ነይሩ።

መንግስቲ መደመር ነዚ ክፍተት ንምምላእ፣ ኣብቲ ዓውዲ መዋቕራዊ ምምሕያሽ ብምግባር ወፃእተኛን ውሽጣዊን ኢንቨስትመንት ብምስሓብ፣ ከምኡውን ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምዕጋት ልዑል ንጥፈት እናካየደ ይርከብ።

ዝተሓላለኹ ኣሰራርሓታት ብምቕላል፣ ግልፅነት ብምፍጣር፣ ከምኡውን ቀጥታዊ ወፃኢ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ዘኽእሉ ሓደሽቲ ሕጋዊ ማዕቀፋትን ሕግታት ደንቢ ኣወሃህባ ፍቃድ ብምድላው ኣብ ተግባር ውዒሎም።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ብባህላዊ መንገዲ ዝሰርሑ ዝነበሩ ማዕድን ኣውፃእቲ፣ ብማሕበር ክውደቡ፣ ቴክኒካዊን ፋይናንሳዊን ድጋፍ ክረኽቡ ብምግባር፣ ካብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ናብ ሕጋዊ ስነ-ምህዳር ክኣትዉ ተገይሩ።

ጥረ ማዕድናት ብቐጥታ ካብ ምልኣኽ ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዋጋ ክውሰኸሎም ዘኽእሉ ናይ ኢንዱስትሪ ማእከላትን መፃረዪ ፋብሪካታትን ማለት እውን መፃረዪ ወርቅን ክቡራት እምኒታትን ክህነፁ ብምትብባዕ፣ ብዙሓት ናብ ስራሕ ክኣትዉ ተገይሩ።

ከም ወርቂ፣ ታንታለም፣ ሊቲየም፣ እብነ-በረድ፣ ፖታሽን ከሰልን ዝኣመሰሉ ማዕድናት ብሰፊሑ ክፈርዩ ብምግባር ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ይኹን ካብኡ ዝርከብ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ብምርካብ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያት ብምትካእን ልዑል ስራሕ እናተሰርሐ ይርከብ።

በዚ መሰረት ከም ሓበሬታ ሚኒስቴር ማዕድን፣ ኣብ 2018 ዓ.ም ኣብ መጀመርታ ትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራይ ካብ ሰደድ ማዕድን ካብ 4 ቢሊየን ዶላር ንላዕሊ ኣታዊ ተረኺቡ።

ብሓፈሻ ኣብ 2018 በጀት ዓመት ካብ ፍርያት ማዕድን ካብ 5 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ንላዕሊ ኣታዊ ተረኺቡ።

እዚ ዓውዲ ንብዙሓት ኣሽሓት መንእሰያት ብፍላይ ኣብ ሃብቲ ማዕድን ዝማዕበላ ከባቢታት፣ ልዑል ዕድል ስራሕ ክፈጥር ክኢሉ እዩ።

ብሓፈሻ ኣብ መንግስቲ መደመር ዓውዲ ማዕድን ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያት ንምትካእን ከም ቀንዲ ዓንዲ ኮይኑ እናገልገለ ይርከብ።

ኣብ ቀፃሊ እቶም ዝተጀመሩ ስራሕቲ ማለት እውን ምስፋሕ መሰረተ-ልምዓት፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ ብምቁፅፃር ከምኡውን ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብምስሓብን ብምጥንኻርን እቲ ዓውዲ ንሃገራዊ ቁጠባዊ ዕቤት ዝዋፅኦ እጃም ብዝበለፀ ክጠናኸር ይግባእ።

ብመልካም ፈቓዱ

 

Comments (0)
Add Comment