ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንበዓል ሓዱሽ ዓመት ልዕሊ 4 ሺሕን 500 እንስሳት ኣገልግሎት ማሕረዲ ንመሃብ ምድላው ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንበዓል ሓዱሽ ዓመት ልዕሊ 4 ሺሕን 500 እንስሳት ኣገልግሎት ማሕረዲ ንምሃብ ምድላዋት ተዛዚሙ ኢሉ ትካል ቄራታት ኣዲስ ኣበባ።

ዋና ፈፃሚ እቲ ስራሕ ትካል ኮሚሽነር ኣሕመድ መሓመድ፤ ንበዓል ሓዱሽ ዓመት ልዕሊ 4 ሺሕን 500 ቀወምቲ እንስሳት ንምሕራድ ዘኽእል ምድላው ከምዝተዛዘመ ኣብሪሆም።

ኣብቲ በዓል ሓዱሽ ዓመት ልዕሊ 3 ሺሕ ኣውዑርን ልዕሊ 1 ሺሕን 500 ጤለ በጊዕን ንምሕራድ ከምዝተሓሰበ ተዛሪቦም።

ነብሲ ወከፍ ነባሪ እታ ከተማ በጊዕን ጤልን ብ300 ብር፣ ኣውዑር ድማ ብ2 ሺሕን 100 ብር ኣብ ቄራ ኣገልግሎት ማሕረዲ ክረክብ ከምዝኽእል ኣመልኪቶም።

ዜጋታት ስጋ ንምዕዳግ ናብ መሸጣ ስጋ እንትኸዱ እቲ ስጋ ብትካል ቄራታት ኣዲስ ኣበባ ዝተሓረደ ምዃኑን ኣብቲ ስጋ ናይ መረጋገፂ ማሕተም ከምዘሎን ከረጋግፁ ከምዘለዎም ምትሕስሳቡ እቲ ትካል ንፋና ዲጂታል ኣፍሊጡ።

Comments (0)
Add Comment