ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ሜዳኣን ቅድሚ ደገፍታን ነጥቢ ተማቒላ ወፂኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 11 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ሜዳኣን ቅድሚ ደገፍታን ንፉልሃም ኣተኣናጊዳ 1 ን 1 ማዕረ ብዝኾነ ውፅእቲ ብምዝዛም ነጥቢ ተማቒላ፡፡

ኣብቲ ፀወታ፤ ኤሊዮት ኣንደርሰን ንማንቸስተር ሲቲ፣ ሮድሪጎ ሙኒዝ ድማ ንፉልሃም እተን ሸቶታት ኣመዝጊቦምወን።

ፕሪመር ሊግ እንትቕፅል፤ ቼልሲ ምስ ሊድስ ዩናይትድ፣ ኣስቶን ቪላ ምስ ሰንደርላንድ፣ ቦርንማውዝ ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት፣ ኮቨንትሪ ሲቲ ምስ ክሪስታል ፓላስ፣ ቶተንሃም ሆትስፐር ምስ ኢፕስዊች ታውን ብተመሳሳሊ ሰዓት 12 ሰዓት ክራኸባ እየን።

መሪሕ እቲ ሊግ ኣርሰናል ናብ ሴንት ጀምስ ፓርክ ብምጉዓዝ ምሸት ሰዓት 2፡30 ምስ ኒውካስል ዩናይትድ ትገብሮ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።

Comments (0)
Add Comment