ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 5ይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲን ሊቨርፑል ዓወት ቀኒዑወን፡፡
ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ሜዳኣ ኢቲሃድ ንሰንደርላንድ ዘተኣናገደት ማንቼሰተር ሲቲ 5 ን 3 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ፡፡
ልዑል ንሕንሕ ኣብ ዝተርኣየሉ ፀወታ ክልቲአን ጋንታታት ኣንትዋን ሴሜኒዮ ክልተ ሸቶታት እንተመዝግብ÷ ኤንዞ ፈርናንዴዝ፣ ሪያን ቼርኪን ሃላንድ ዝተረፋ ሸቶታት ኣመዝጊቦምወን፡፡
ሰለስቲአን ሸቶታት ሰንደርላንድ ድማ ኔዘርላንዳዊ ኣጥዓይ ብሪያን ብሮቤይ ብምምዝጋብ ሃትሪክ ክሰርሕ ክኢሉ፡፡
እቲ ውፅኢት ስዒር ማንቼሰተር ሲቲ ነጥባ ናጥባ ናብ 15 ክብ ብምባል መሪሕነት እቲ ፕሪሚርሊጉን ኣጠናኺራ፡፡
ኣብ ካሊእ ፀወታ ኣብ ቅልውላው ውፅኢት ትርከብ ሊቨርፑል ካብ ሜዳኣ ወፃእ ብብሕታዊት ሸቶ ኣሌክሳንደር ኣይዛክ ንርንማውዝ 1 ን 0 ስዒራ፡፡
ሊደስ ዩናይትድን ክሪስታል ፓላስን ዘካየደኦ ፀወታ ድማ ብዘይሸቶ ብማዕረ ውፅኢት ተዛዚሙ፡፡