ማንቼስተር ዩናይትድን ሊድስ ዩናይትድን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 7ይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሊድስ ዩናይትድን ማንቼስተር ዩናይትድን 1 ን 1 ማዕረ ተፈላሊየን።

ኣብቲ ፀወታ ብራያን ምቡሞ ንማንቼስተር ዩናይትድ መሪሕ ዝገበረት ሸቶ ኣብ መበል 35 ደቒቕ እንተመዝግብረ፤ ዶሚኒክ ካልቨርት ሉዊን ድማ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ መበል 51 ደቒቕ ንሊድስ ማዕረ ዝገበረት ሸቶ ኣመዝጊቡዋ።

እቲ ውፅኢት ስዒቡ ካብ ሸውዓተ ፀወታታት ሓደ ግዘ ጥራሕ ዝሰዓረት ማንቸስተር ዩናይትድ ብሸውዓተ ነጥቢ ኣብ መበል 13 ደረጃ እንትትቅመጥ፤ ሊድስ ዩናይትድ ብ10 ነጥቢ ሻውዓይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።

ኣብ ካሊእ ፀወታ ንክሪስታል ፓላስ 5 ን 0 ዝሰዓረት ብራይተን ነጥባ 16 ብምብፃሕ ንግዚኡ ካልኣይ ደረጃ ካብ ኣርሰናል ተረኪባ።

ቦርንማውዝ ንሰንደርላንድ 2 ን 0 ዝሰዓረትሉ ካሊእ ፀወታ እዚ ዕለት ነይሩ።

ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ሰዓት 12፡30 ድማ ኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ኣርሰናል ክራኸባ እየን፡፡

Comments (0)
Add Comment