ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 5ይ ዓመት 10ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ሰለስተ ረቀቕቲ ደንቢታት ብምዝታይ ተፈፀምቲ ንኽኾኑ ኣፅዲቑ።
ኣብቲ ኣኼባ ዝቐረቡ ኣጀንዳታት ምስተዛተየ ሰለስተ ረቀቕቲ ደንቢታት ተፈፀምቲ ንኽኾኑ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
በዚ ድማ ዝተመሓየሸ ምሕደራ ፋይናንስ ብዝበለፀ ንምዝማን፣ ተሓታትነትን ግልፅነት ኣሰራርሓን ንምጉልባት ዝተሰናደአ ረቂቕ ደንቢ ተፈፃሚ ክኸውን ወሲኑ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብታ ከተማ እናተሃነጠ ዝርከብ ሰፊሕ ልምዓት ኣባይቲ ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ንኽህልዎ፣ ሪፎርም ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ንምጥንኻርን ብቕዓት ምፍፃምን ንምዕባይ ዝተሰናደአ ረቂቕ ደንቢ እውን ኣፅዲቑ።
መስፋሕፍሒ መሬት ንዝሓተቱ ተካእቲ ፍርያት ንዘፍርዩ ኢዱስትሪታት፣ ንመንእሰይ ዕድል ስራሕ ዝፈጠሩ ፕሮጀክታት፣ ሆቴላት ከምኡ እውን፥ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ምስ ትካላት ሃይማኖት ዝተገበሩ ተኸታተልቲ ልዝባት ዝተልዓአሉ ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳር ንምፍታሕ ዘኽእል መሬት ብምደባ ንምትሕልላፍ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ተፈፃሚ ክኸውን ኣብቲ ኣኼባ ወሲኑ።