ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስረታ መንግስቲ ምምሕዳር ከተማን 4ይ ዙር መኽፈቲ ጉባኤኡን የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ ጉባኤ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወኪሎም ዝተመረፁ ኣባላት ቤት ምኽሪ ተሳቲፎም።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካይዶ ጉባኤ፤ ኣፈ-ጉባኤን ምክትል ኣፈ-ጉባኤን እቲ ቤት ምኽሪ፣ ከምኡውን ከንቲባን ምክትል ከንቲባን ምምሕዳር ከተማ ከምዝሸውም ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ውሳነታት ዘሕልፍ እንትኸውን፤ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይናን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሽመታትን ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።