ምስ ራኢ ሓድነት ኣፍሪካ ዝተኣሳሰረ ርክብ ኢትዮጵያን ናይጄርያን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም. (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፍሪካ ኣብ ታሪኻ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ባህላዊን ቁጠባዊን ጉዕዞታት ዝሓለፈት ኣህጉር እያ። ኣብዚ ነዊሕ ታሪኽ ኣፍሪካ ድማ ኢትዮጵያን ናይጄርያን ፍሉይ ቦታ ዘለወን ሃገራት እየን።

ኣብ ዘበነ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናፅነታ ሓልያ ዝፀንሐት ኢትዮጵያ፤ ከምኡ እውን ኣብ 1960 ናፅነታ ዝረኸበት ናይጄርያ፤ ኣብ ቃልሲ ናፅነት፣ ሓድነትን ልምዓትን ኣፍሪካ ዓብዪ እጃም ተፃዊተን እየን።

ዘበናዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት መሰረቱ ኣብ 1960ታት ዝገበረ ኮይኑ፤ ኢትዮጵያ ኣብ 1961 ኣብ ሌጎስ ኤምባሲኣ ምኽፋታ ኣብ ታሪኽ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ወሳኒ ስጉምቲ ነይሩ።

ድሕሪኡ ድማ ናይጄርያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ውክልና ኣጠናኺራ ኣላ። ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ 1960ታት ብወግዒ ምምስራቱ ሎሚ ንዘሎ ዝምድና መሰረት ኣንቢሩ።

ርክብ ኢትዮጵያን ናይጄርያን ንምርዳእ ዓመተ 1963 ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ። ኣብቲ ዓመት 32 መራሕቲ ናፅነተን ዝረኸባ ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪቦም እምነ ኩርናዕ ትካል ሓድነት ኣፍሪካ (OAU) ኣንበሩ። ኢትዮጵያን ናይጄርያን ድማ ካብቶም መስረቲ ኣባላት ነበራ።

እዚ ፍፃመ ካብ ክልተኣዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንላዕሊ ዝዘለለ ትርጉም ነይርዎ። ኢትዮጵያ ዋና መቐመጢት ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ኮይና እናቐፀለት፣ ናይጄርያ እውን ካብተን ዓበይቲን ፅልዋ ዘለወንን ሃገራት እታ ኣህጉር ብምዃን፤ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣፍሪካ ንጡፍ ግደ ምፅዋት ጀሚራ።

ዋና መቐመጢት ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኽኸውን ዝተወሰነ እውን ኣብቲ ከይዲ ምስረታ እዩ።

ብምዃኑ  ድማ ርክብ ኢትዮጵያን ናይጄርያን ናይ ክልተ መንግስታት ዝምድና ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ምስ ራኢ ሓድነት ኣፍሪካ ዝተኣሳሰረ ርክብ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።

ካብ 1990ታት ጀሚሩ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ሓዱሽ ደረጃ ምስግጋር ጀሚረ። ዑደት መራሕቲ፣ ዘተታት ንግዲን ኢንቨስትመንትን፣ ምትሕብባር ትምህርቲን ባህሊን እናወሰኸ መፅአ።

ኣብ 2006 ክልቲአን ሃገራት ነቲ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ርክበን ናብ ብዙሕ ዘፈር ስትራተጂካዊ ሽርክነት ንምዕባይ ተሰማሚዐን። እዚ ንምፍፃም ድማ ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ተጣይሹ።

እዚ ኣወዳድባ ኣብ ንግዲ፣ ትምህርቲ፣ ሕርሻ፣ ባህሊ፣ ጥዕና፣ ፀጥታን ካልኦት ዘፈራትን ምትሕብባር ንምስፍሕፋሕ መድረኽ ኮይኑ እዩ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ብዙሓት ነገራት ተመሳሰልቲ እየን። ክልቲአን ሃገራት ብዙሓት ብሄራትን ቋንቋታትን ዘለወን ሃገራት እየን፤ ዓብዪ ሰብኣዊ ሃፍቲ ኣለወን፤ ኣብ ፖለቲካ ኣፍሪካ እውን ዕዙዝ ድምፂ ኣለወን። እዚ ምምስሳል ድማ ተሞኩሮ ክልቲአን ሃገራት ንምልውዋጥ ጥንኩር መሰረት ፈጢሩ።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ እውን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣህጉራዊ ሰላም፣ ፀጥታ፣ ልምዓትን ድምፂ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ንኽጠናኸርን ዝሰርሓ ቀንዲ ተዋሳእቲ እየን።

ኣብ 2017 ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮጵያን ናይጄርያን ድሕሪ 10 ዓመታት ኣብ ኣቡጃ ተኻየደ። ኣብ 2022 ድማ ሳልሳይ ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ፣ ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት፣ ጥዕና፣ ንግዲ፣ ኢንዱስትሪ፣ ባህሊን ስፖርትን ዓውዲታት ስምምዕነታት ምትሕብባር ተዘትዩሎም።

ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ እውን ብበረራ ኣየር፣ ንግዲ፣ ትምህርቲን ልውውጥ ባህሊን እናተጠናኸረ ይኸይድ ኣሎ።

ብኣቤል ነዋይ

Comments (0)
Add Comment