ምስ ጉጅለታት ዕጡቕ ምንም ዓይነት ርክብ ኣይብልናን-ኦብነግ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብሄራዊ ግንባር ነፃነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ምስ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቕ ሓይሊታት ምንም ዓይነት ርክብ ኣይብለይን ኢሉ።

ኦብነግ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ብሰለማዊ መገዲ ፖለቲካ ከምዝንቀሳቐስ ገሊፁ።
ቅድም ክብል ምስ መንግስቲ ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ንምፍፃም ቁርፀኛ ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ምስ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቕ ሓይሊታት ርክብ ኣለዎ ዝብል ብፅኑዕ ብምውጋዝ ነፂጉዎ።

እቲ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ኣብ ክልል ሶማሌ ዝተረኸበ ሰላም፣ ምርግጋዕን ልምዓትን ከናግዕ ዝኽእል ዝኾነ ይኩን ተግባር ወይ ባህሪ ኣጥቢቑ ከምዝቃወም ኣብ መግለፂኡ ኣረጋጊፁ።

ምስ መንግስቲ ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ንምኽባር፣ ድንጋገታት እቲ ስምምዕነት ብሙሉእነት ንምኽባርን ተግባራዊ ንምግባርን ዘለዉ ምድላው ኣረጋጊፁ።

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ ቃል ንከኽብርን ሙሉእ ተፈፃምነት እቲ ስምምዕነት ንከረጋግፅን ዘለዎ እምነት ገሊፁ።

መንግስቲ ንምዕላው ምስ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቕ ሓይሊታት ምንም ዓይነት ርክብ ዘይምምስራቱ ብምግላፅ፥ ብሰለማዊን ዴሞክራሲያዊን መገዲ ንምቅላስ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

Comments (0)
Add Comment