ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ባህርዳር ተረኺቦም ድምፆም ሂቦም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝርከብ ጣቢያ መረፃ ህዳሴ (02-1) ተረኺቦም ድምፂ ሂቦም።
7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ካብ ንግሆ ሰዓት 12:00 ጀሚሩ ኣብ ምክያድ እንትኾን፤ ነበርቲ ከተማ ባህርዳር እውን ኣብ 164 ጣቢያታት መረፃ ድምፆም ይህቡ ኣለዉ።