ራስ ሃይሉ ማእኸል ስፖርት፣ ትምህርትን ስልጠናን ተወሳኺ መሰረተ ልምዓት ናብ ኣገልግሎት ክኣቱ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ማእኸል ስፖርት፣ ትምህርትን ስልጠናን ራስ ሃይሉ ብተወሳኺ መሰረተ ልምዓት ናብ ኣገልግሎት ኣእትዮም።
ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ እቲ ማእኸል ኣብ ዓለም ለኸ ውድድራት ምክያ ዘኽእሎ ደረጃ ኣሐዲስና ብተወሳኺ መሰረተ ልምዓት ናብ ኣገልግሎት ኣእቲና ኢለን።
እቲ ማእኸል ቅድም ኢልና ብዘጋጠመና ቴክኒካዊ ፀገም እቲ ኣገልግሎት ከምዝተቛረፀ ከምዝፀንሐ ኣረዲኤን።
እቲ ጉዳይ ቴክኒካዊ ፀገም ክፍታሕን ዓለምለኻዊ ደረጃታት ከማልእ ዘኽእሎ ተወሳኺ መሰረተ ልምዓት ተጠቓሊሉ፣ ነቲ ኣገልግሎት ዳግማይ ንክጅምር ገይርና ኢለን፡፡
Comments (0)
Add Comment