ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰላምና ንምሕላው ኩሉ ዘድሊ ክንገብር ኢና ኢሎም ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ነበርቲ ወረዳ ሰሓርቲ።
ኣብታ ወረዳ ነበርቲ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ምስ ኣመራርሓ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም ዘተ ኣካይዶም።
ኣብቲ ዘተ ዋና ኣመሓዳሪ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ፀጋይ ገ/ተኽለ፤ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ንምርግጋፅ ኣብ ዘካየዶ ቃልሲ ህዝቢ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ወረዳ ሰሓርቲ ዝለዓለ ተራ ከምዝነበሮ ተዛሪቦም።
ሕዚ እውን ዝተረኽበ ሃዋህው ሰላም ብምሕላው ፈፀምቲ ኣካላት በዓል ሓደራ ምምሕዳር ብምምራፅን ፀጥታ ከባቢኦም ብውዳበ ብምሕላውን ኣብ ኩሉ መዳያት ንጡፍ ተሳትፎ ንኽገብሩ ኣተሓሳሲቦም።
ሓላፊ ዘፈር ሰላምን ፀጥታን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ብርሃኑ ኣገው ብወገኖም፤ ህዝቢ ወረዳ ሰሓርቲ ባዕሉ ዝመረፆ ምምሕዳር ንኽህልዎ ዘካየዶ ፅኑዕ ፖለቲካዊን ሰላማዊን ቃልሲ ንኢዶም።
ብተወሳኺ ብፖለቲካዊ ፍልልይ ካብ ህዝቦም ተፈልዮም ኣብ ዝተፈላለዩ በረኻታት ዝርከቡ ወገናት፣ ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ምስ ህዝቦም ክፅንበሩ ፀዊዖም።
ነበርቲ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ወረዳ ሰሓርቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ድመ ህዝቢ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ንነዊሕ እዋን መልሲ ዘይረኸበሉ ሕቶ መሰረተ ልምዓት ንኽምለሰሉን ፀገም ሕፅረት ሰናይ ምምሕዳር ንኽፍታሕን ዘይተቛረፀ ቃልሲ ከምዘካየደን ይቕፅል ከምዘሎን ገሊፆም።
ኣብቲ ዕለት ህዝቢ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ብቐጥታ ተሳትፎ ኣቢሉ ብበዓል ሓደራ ምምሕዳር ተወኪሎም ንህዝቢ ዘገልግሉ መራሕቲ ዝመረፀ እንትኸውን፤ ነበርቲ እቲ ከባቢ ድማ ዝተመርፁ ኣካላት ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብብቕዓትን ቆራፅነትን ንኽዋፅኡ ኣተሓሳሲቦም።
ብኣሸናፊ ሽብሩ