ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ገለ ሃገራት ብሓይሊ ሰራዊተን ይፍለጣ፤ ገሊአን ድማ ብሃፍተን። ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ውድድር ጉያ ነዊሕ ርሕቀት ንዓለም ተደምም። ዓለም ብቡንና ከም ዝፈልጠና ብጎየይትና እውን ይፈልጠና እዩ።
ሕዚ ድማ ኢትዮጵያ ካብቶም ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ውድድር ካብ ዝተቖፃፀሩ ኮኾብ ኣትሌታታ ብተወሳኺ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብእተዳልዎ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ትፍለጥ ኣላ። ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 25 ዓመታት መግለፂ ሓድነት ብሄራዊ ሕብረት ኢትዮጵያ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።
እነሆ ሎሚ መዓልቲ እውን ብድምቀትን ብልዑል ስፍሓትን ብዓወት ተኻይዱ። ሎሚ ንግሆ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 60 ሺሕ ድምዲ ኣእጋር፣ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም መለለዪ ክዳውንቲ ተኸዲኖም፣ ብሓደ ልቢ ክጎዩ ውዒሎም።
ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ፤ ኣብ ኣፍሪካ ዝዓበየ ውድድር ጉያ ጎደና እዩ። እቲ ፍፃመ ጉያ ጥራይ ኣይኮነን፤ ፅባቐ ሃገር ዝግለፀሉን ኣፍሪካዊ ዓወት ዝንፀባረቐሉን መድረኽ እዩ።
ብተበግሶ ኣትሌት ሃይሌ ገብረስላሴ ዝተጀመረ እዚ ውድድር፤ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዓበየን እናማዕበለን፣ ካብ መድረኽ ስፖርት ሓሊፉ ፅቡቕ ምስሊ ሃገር ዘፋልጥ መስኮት ኮይኑ እዩ።
በዓል ሞያን ጀማርን፣ መንእሰይን ዓበይቲን፣ ኢትዮጵያውንን ኣጋይሽን ብሓደ ልቢ ይጎዪ። ሃገር ብፖለቲካዊ ዘረባ ጥራይ ኣይኮነትን ንነብሳ እተፋልጥ፤ ብሓደ ልቢ ብሓባር ዝጎዩ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ብዘንፀባርቑዎ ፍሽኽታ እውን እዩ።
እነዚህ አትሌቶች ሜዳሊያ ይዘው ብቻ አልተመለሱም፤ ለሚቀጥለው ትውልድ “እኔም እችላለሁ” የሚል ህልም ተክለው አልፈዋል።
ስፖርት ናይ ሃገር ርህሩህ ሓይሊ እዩ። ምኽንያቱ ድማ ሰባት ንሃገር ዝፈትውዋ ብዜና ዘይኮነስ ብዝኽሪ እዩ።
ዓለም ኣዝዩ ዝፈትዎ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ወይ ድማ ውድድር ኩዕሾ ቅርጫት ኣሜሪካ እተን ሃገራት ተፈታውነተን ንምጥንኻር ዝጥቀማሎም ቁልፊ ፍፃመታት ምስሊ ሃገር ዝኅነጠሎም እዮም።
ተወዳደርቲ ጉያ ባዕሎም ተሳቲፎም ዘይርሳዕ ዝኽሪ ዝፈጥሩሎም ከም ዓብዪ ጉያ ዝበሉ ፍፃመታት ድማ ፍሉይ ዓቕሚ ኣለዎም። ሓደ ጋሻ ኣብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ጎይዩ፣ ቡን ሰትዩ ናብ ሃገሩ ክምለስ ከሎ፤ ንዓመታት ዝዝክሮ ፅቡቕ ተዘክሮን ታሪኽን ሒዙ እዩ ዝምለስ።
ምድሪ ዓበይቲ ኣትሌታት
ኢትዮጵያ ናይ ጎየይቲ ሃገር ዝኾነት ብኣጋጣሚ ኣይኮነን። ኣብ 1960 ኣብ ሮም ብባዶ እግሩ ጎይዩ ማራቶን ዝተዓወተ ኣበበ ቢቂላ፣ ንኣፍሪካ ማዕረግ ወርቂ ኦሎምፒክ ብዝኸፈቶ ሽም እዩ።
ድሕሪኡ ድማ ደራርቱ ቱሉ፣ መሰረት ደፋር፣ ሃይለ ገብረስላሴ፣ ቀነኒሳ በቀለ፣ ጥሩነሽ ዲባባን ካልኦትን ነብሲ ወከፍ ወለዶ ናይ ባዕሉ ጀጋኑ ብምፍራይ ሰንደቕ ዕላማ ሃገሩ ኣብ ዓለም መድረኽ ሓፍ ኣቢሉ ኣውሊብሊቡ እዩ።
እዞም ኣትሌታት ሜዳልያ ጥራይ ሒዞም ኣይተመልሱን፤ ንዝቕፅል ወለዶ “ኣነ እውን ይኽእል እየ” ዝብል ሕልሚ ተኺሎም ሓሊፎም።
ዓብዪ ጉያ እውን ነቲ ሕልሚ በቢዓመቱ ዘሕድስ መድረኽ እዩ፤ መናእሰይ ምስ ዝበለፁ ኣትሌታት ሃገሮም ብሓባር ክጎዩ ዕድል ዝህብ፣ ሓደሽቲ ኣትሌታት ክረኣዩሉ ዝኽእሉን ድሙቕ ህዝባዊ ፍፃመ ስፖርትን እዩ።
እግሪ ጥራሕ ኣይኮነን ዝጎዪ፤ መሰረተ ልምዓት እውን ይጎዪ እዩ
ጀጋኑ ብክእለት ጥራይ ኣይፍጠሩን፤ ጥንኩር መሰረት እውን የድልዮም። ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ መሰረተ ልምዓት ስፖርት ትሰርሖ ዘላ ስራሕ ነዚ ዘረጋግፅ እዩ።
ዘበናዊ ስታድዮማት ይህነፁን ይሕደሱን ኣለዉ፤ ባህርዳር ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ መንጎ ሃገራዊ ጋንታታት ኢትዮጵያን ሴኔጋልን ንፅዋዕ ኣፍሪካ ኣብ ዝተኻየደ መፃረዪ ፀወታ ምትእንጋዱ ነዚ መርትዖ እዩ።
ልምዓት ኮሪደር መንገዲ እግረኛታት ብምስፋሕ ከተማታት ንጎየይቲን ተመላለስቲን ምቹው ይገብረን ኣሎ። ንኣትሌታት ዝወሃብ ኣፍልጦ እውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ይመፅእ ኣሎ።
ናይዚ ዓመት ውድድር ብፍሉይ ድምቀት እዩ ተኻይዱ። ናይ ክብሪ ጋሻ ኬንያዊት ኣትሌት ቤያትሪስ ቼቤት እያ። እታ ክልተ ግዜ ሻምፒዮን ኦሎምፒክ ዝኾነት ኬንያዊት፤ ኣብ 5 ሺሕን 10 ሺሕን ሜትሮ እውን ወናኒት ክብረወሰን ዓለም እያ።
ኢትዮጵያ ብቅልጡፍ እግሪ ኣትሌታታ ኣብ መድረኻት ዓለም ትማርኽ፤ ብፍሽኽታኣ ድማ ንዓለም ተቐቢላ ተተኣናግድ።
ንዓለም ቡን ዘበርከተት ኢትዮጵያ፣ መበቆል ወዲ ሰብ ከም ምዃና፤ ኣብ ኣትሌቲክስ ናይ ተዓወትቲ ሃገር ምዃና ዝያዳ ዘጉልህ ፍፃመ እዩ ዓብዪ ጉያ።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ብተወሳኺ ኣብ ኣርባ ምንጭ፣ ሓዋሳ፣ ሓረር፣ ከምኡ እውን ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዝዳሎ ዓብዪ ጉያ፤ ኣብ ሃገርና ቱሪዝም ስፖርት ንኽዓቢ ልዑልፊ ኣበርክቶ ይገብር።