ሰላም ሱዳን ናይ ኩለን ጎረባብቲ ጉዳይ እዩ!

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ፈለግ ኣባይ ንኽልተ ህዝብታት የራኽብ፤ ንኽልተ ህዝብታት ድማ ብዶብ ይፈላልዮም።
እንተኾነ ግን ክልቲኦም ሓቅታት ዝነግሩና ሓደ ነገር ኣሎ፦ ኢትዮጵያን ሱዳንን ጎረባብቲ ጥራይ ኣይኮናን። ዕድል ዝማቐ ኣሕዋትን ኣሓትን ህዝብታት ዘለዉወን እየን።
ልዕሊ 700 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ሓባራዊ ዶብ ንህዝብታት መንደቕ ኮይኑ ኣይፈልጥን፤ ኣብ ክንድኡ መሰጋገሪን መራኸቢን እዩ ኮይኑ።
መተማን ገላባትን ከም ከተማታት ሓንቲ ሃገር ተጎራቢተን፣ ነጋዳይ፣ ሓረስታይን ሰራሕተኛን መዓልታዊ ዶብ ተሳጊሩ ዕዳጋ ዝገብረለን ህያው ድልድላት እየን።
ሩባ ኣባይ ካብ በረኽቲ ቦጋታታት ኢትዮጵያ ተበጊሱ ንሱዳን እንትሰግር ምስቲ ማይ ዝጓዓዝ ዘሎ ናይ ክልተ ህዝብታት ሓባራዊ ታሪኽ እዩ።
ሙዚቃ እውን ነዚ ምትእስሳር ይምስክር። ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓለም ብፔንታቶኒክ ዜማ፣ ማለት እውን ብሓሙሽተ ድምፅታት ዝተሃነፀ ዜማ ይነብራ፤ ዜማ ሓንቲ ሃገር ኣብ እዝኒ እታ ካልአይቲ ጓና ኣይኮነን። ዜማ ዶብ ኣይፈልጥን፤ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዜማ ይራኸብ።
ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ሰላም ንኽዓስል ልዑል ግደ ብምፅዋት ትፍለጥ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ 2011 ካብ ዝተኻየደ ሽምግልና ስምምዕነት ስግግር ሱዳን ጀሚሩ ክሳብ ጥቅምቲ 2016 ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሰላም ንኽዓስል ዝተፃወቱዎ ግደ ዘይርሳዕ እዩ።
ካብ ኲናት ዝሃደሙ ሱዳናውያን እውን ተቐቢላ ብኽብሪ ተተኣንግዶም ኣላ፤ ሕዚ ድማ ሓዱሽ ምዕራፍ ፃዕሪ ሰላም ተኸፊቱ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ንሱዳን ወታደራዊ፣ ፖለቲካዊን ሲቪላዊን ጉጅለታት ዘካተተ ኣሳታፊ ሃገራዊ ዘተ ንምትእንጋድን ንምትዕርራይን ድልውቲ ምዃና ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣፍሊጦም እዮም።
ዕላማኡ ድማ እቲ ኲናት ኣብቂዑ ብሰፊሑ ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ሓድነት ንምምስራት መሰረት ምንፃፍ እዩ። እቲ ፃውዒት ካብ ፖለቲካዊ ድሌት ወይ ድማ ናይ ዝኾነ ወገን ረብሓ ንምሕላው ዝተበገሰ ከምዘይኮነ ገሊፆም።
መልእኽቶም ንፁር ነይሩ፦ ሰላም ሱዳን ሰላም ኢትዮጵያ እዩ፤ ድሕንነት ሱዳን ድማ ድሕንነት ኢትዮጵያ እዩ።
መፃኢ ዕድል ሱዳን ብህዝባ ክውሰን ከምዘለዎን ካብ ወፃኢ ዝፅዓን ፍታሕ ዘላቒ ሰላም ከምፅእ ከምዘይኽእልን ኣፅንኦት ሂቦም።
ሰላም ጎረቤት ሰላም ርእስኻ እዩ። ኣብ ጥቓ ኣፍደገ ገዛኻ ሓደገኛ ባርዕ እንትነድድ፣ ስቕ ኢልካ ምዕዛብ ቅኑዕ ኣይኮነን።
ኢትዮጵያ ህዝቢ ሱዳን ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ሰላሙ ከዕስል ዘኽእሉዎ ኩነታት ንምፍጣር ኢዳ ትዝርግሕ ኣላ።
ሱዳን ሰላም ይግብኣ። እቲ ሰላም እውን ንህዝብታታን ንኹሎም ጎረባብታን ብዘሳትፍ መንገዲ ክመፅእ ይግባእ።
Comments (0)
Add Comment