መንግስቲ ኤርትራ ምስ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ካብ ምትሕብባር ክቑጠብ ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ኤርትራ ምስ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ካብ ምትሕብባር ተቖጢቡ ንሓባራዊ ልምዓት ብሓባር ክንሰርሕ እላቦ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምርካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዘቕረቡዎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም።

ኢትዮጵያ ብሓባር ምዕባይ ከምዝከኣል ብምእማን ምስ ኤርትራ ቀሪባ ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሃገራት እቲ ዞባ ንኽራኸብ ከምዝገበረት ኣልዒሎም።

ምስ ኤርትራ ብሓባር ንምምዕባል ዓብዪ ፃዕሪ ገይርና ኢና፤ ኣብ ኤርትራ ፀገም ኤሌክትሪክ ስለዘሎ መስመር ኤሌክትሪክ ብወፃኢና ንዘርግሕ፣ መንገዲ ንስራሕ፣ ወደብ ብሓባር ነማዕብል ኢልና ሓቲትና ኔርና ኢሎም።

እንተኾነ ግን መንግስቲ ኤርትራ ቋንቋታት ልምዓትን ዕቤትን ስለዘይፈልጥ ነቲ ሕቶ ከምዘይተቐበሎ ኣብሪሆም።

ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ኣብ ዝተጠቕአሉ እዋን ወተሃደራትና ናብ ኤርትራ ኣብ ዘስሓቡሉ እዋን ኤርትራ ተግባር ፅቡቕ ጉርብትና ከምዘርኣየት ብምዝኽኻር ኣመስጊኖም።

ነገር ግን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን እቲ ውግእ ናብ ትግራይ እናተስፋሕፈሐ ምስ ከደ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝነበሮም ፅልኢ ሕነ ንምፍዳይ መናእሰይ እናቐተሉን ፋብሪካታት እናዘረፉን ፀገማት ምፍጣር ከምዝጀመሩ ኣልዒሎም።

ካብ መንግስቲ ኤርትራ እንደልዮ ክልተ ነገራት እዮም፤ ቀዳማይ ንፀላእቲ ኢትዮጵያ ካብ ምዕጣቕ፣ መሳርሒ ዕጥቂ ዝቐርበሉ መስመር ካብ ምዃንን ካብ ምትሕብባርን ክቑጠቡ ዝብል እዩ ኢሎም።

ካልኣይ ንሓባራዊ ልምዓት ብሓባር ክንሰርሕን ሓጋዚ ክትኮኑን ንደሊ ኢና፤ ነዚ ክትገብሩ እንተኽኢልኩም ብሰላም ብሓባር ክንነብር ንኽእል ኢና ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እንተኾነ ግን ሻዕብያ ካብ ዘይእረም ጌጋ ክወፅእ ዘይክእል እንተኾይኑ እቲ ጉድኣት ንኤርትራ እዩ ክኸውን ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ኢትዮጵያ ምእንቲ ቀይሕ ባሕሪ ኢላ ወራር ኣይተካይድን፤ ወራር ኣየድልን እዩ፤ እቲ ንደልዮ ብሰላምን ብዘተን እዩ ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትሩ ብትሪ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኤርትራ ክፈልጥ ዘለዎ ግን ኣባይ ካብ ጣና ዝብገስ እኳ እንተኾነ፤ ብዝተፈልጠ ተፈጥሮኣዊ መንገዱ ናብ ሱዳን እዩ ዝኣቱ፤ ናብ ሱዳን ኣይኣቱን ኢልና እንተዓጊትናዮ ሒዙና እዩ ዝኸይድ እምበር ንኣባይ ከነቋርፆ ኣይንኽእልን ኢሎም።

ጉዕዞ ኢትዮጵያ ናብ ቀይሕ ባሕሪ እውን ብተመሳሳሊ ምዕጋት ኣይከኣልን ክብሉ ኣገንዚቦም።

ንኤርትራ ብባህሊ፣ ብቋንቋ፣ ብእምነትን ብጂኦግራፍያዊ ጉርብትናን ካብ ኢትዮጵያ ዝበለፀ ዝቐርባ የለን፤ ዕቤትናን ረብሓናን ንጎረባብትና ኣይጎድእን ኢሎም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብሃይለማርያም ተገኝ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment