ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ዝቐረቡ ምኽረ ሓሳባት ተግባራዊ ንኽኾኑ ብቆራፅነት ትፅቢት ዝግበረልና ሓላፍነት ክንዋፃእ ኢና ኢሎም ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ትማሊ ኣብ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 4ይ ስሩዕ ጉባኤ ብምርካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዘቕረቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትሩ ብዛዕባ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፤ መንግስቲ እቲ ጉባኤ ዘቕረቦም ምኽረ ሓሳባት ንምትግባር ምሉእ ቆራፅነት ከምዘለዎ ኣረጋጊፆም።
ነዚ ብምምልካት ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣዲስ ኣለምኣየሁ ከምዝገለፀኦ፤ እቲ ዘተ ኣሳታፊ ዝኾነን ናይ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ድምፂ ዝወከለን እዩ።
እቲ ዘተ፣ ፀገማት ኢትዮጵያ ካብ መሰረቶም እንፈትሐሉ፣ ዘይምርድዳኣት እንእርመሉን ንዕቤትን ልዕልናን ኢትዮጵያ ቁልፊ መሳርሒ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ቀፃሊ ዕማምና ነቶም ለበዋታት ናብ ተግባር ንምቕያር ምፅዓር እዩ ኢለን።
ኣብ ከይዲ ተግባራዊ ምግባር እቶም ምኽረ ሓሳባት ግደ ኣባላት ባይቶ ቁልፊ ምዃኑ ብምጥቃስ፤ ህዝቢ ዝሃቦም እምነትን ሓላፍነትን ንምውፃእ ድሉዋት ምዃኖም ገሊፆም።
ካልእ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብዮት ደለለኝ ብወገነን፤ ህዝቢ እቶም ምኽረ ሓሳባት ተግባራዊ ክኾኑ ብሃንቀውታ ይፅበዮም ከምዘሎ ተዛሪበን።
እቶም ምኽረ ሓሳባት ረብሓ ህዝቢ ብዘረጋግፅ መንገዲ ንኽትግበሩ፣ ሓላፍነትና ክንዋፃእ ኢና ኢለን።
ዘይምርድዳእ ብሓይሊ ዘይኮነስ ብዘተ ምፍታሕ፣ ንኹሉ ዓወት ዘረጋግፅ ምዃኑ እቲ ዘተ ጭቡጥ መርአያ እዩ ክብሉ ዝገለፁ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዶ/ር እሸቱ ገብረማርያም እዮም።
ዘተ ንሰላምን ዕቤትን ቀንዲ መሰረት ምዃኑ ብምሕባ፤ ኣካል ናይዚ ታሪኻዊ መስርሕ ብምዃነይ ሓጎስ ይስምዐኒ፤ ኣብ ተግባራዊነት እቶም ምኽረ ሓሳባት ድማ ዝግበኣኒ ግደ ክዋፃእ እየ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።