ስራሕን ሰራሕተኛን ብቐሊሉ ዝራኸበሉ ዲጂታል ስርዓት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምህዳር ዕዳጋ ስራሕ ብውፅኢታዊ ዲጂታል ስርዓዓት ብምዝማን ስራሕን ሰራሕተኛን ብቐሊሉ ዝራኸበሉ ዕድል እናተፈጠረ ይርከብ ኢለን ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል።

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ብምትሕብባር ዘልመዖ ስራሕን ሰራሕተኛን ብቐሊሉ ዝራኸቡሉ ‘ፈልጉልኝ’ ዝተሰመየ ዘበናዊ ዲጂታል መተግበሪ ዕላዊ ገይሩ።

እተን ሚኒስት ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዜጋታት ዘዘምኑ ዲጂታል ኣማራፂታት መመሓየሺ ስጉምቲታት ተግባራዊ እናተገበሩ ይርከቡ።

እቲ ሓዱሽ መተግበሪ ስራሕን ሰራሕተኛን ብቐሊሉ ዘራኽብ ዲጂታል ኣማራፂ ከምዝኾነ ብምግለፅ÷ ብኩሉ መዳይ ሞያን ክእለትን ዘለዎም ዜጋታት ተረባሕነት ዕድል ስራሕ ዘስፍሕ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

እቲ መተግበሪ ምስ ስርዓት ዕዳጋ ፋይዳን ሓበሬታ ዕዳጋ ስራሕ ኢትዮጵያን ብምትእስሳር ብዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ቋንቋ ተበፃሒ ናይ ምግባር ዕድል ከምዝተፈጠረ ኣብሪሀን።

ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ትእግስት ሃሚድ ብግደአን÷ እቲ መተግበሪ ሃገር በቆል ፍልጠት ቴክኖሎጂ ዝለምዐን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ኢዩ ምባለን ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment