ስነ ስርዓት ሓዱሽ ምስረታ መንግስቲ መደመር ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ሓድሽ ምስረታ መንግስቲ መደመርን ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ስነ ስርዓት መኽፈቲ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ከምኡ’ውን ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ 7ይ ዘበን ስራሕ ምስረታ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ብዕሊ ኣጀሚሮም።

ኣብዚ እዋን ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረፃ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተመርፁ ኣባላት ናይ እንዃዕ ደስ በለኹም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ተመረፅቲ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ እውን ቃለ መሓላ ፈፂሞም።

ብመላኩ ገድፍ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment