ስነ ስርዓት ሶላት በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ (ዓረፋ) ብዓወት ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ሶላት በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ (ዓረፋ) ብዓወት ተዛዚሙ ኢሉ ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡፡

ፖሊስ ከምዝሓበሮ÷ በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ (ዓረፋ) ኣመልኪቶም ተኸተልቲ እምነት እስልምና ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ስነስርሓት ሶላትን ካልኦት ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታትን ኣካይዶም፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣቦታት ሃይማኖትን ተኸተልቲ እቲ እምነትን፣ ዜጋታት ወፃኢ ሃገርን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

እቲ ስነ ስርዓተ ሶላት ክሳብ ዝዛዘም ምጭንናቕ ትራፊክ ከየጋጥም ብዝብል ንተሽከርከርቲ ተዓፂዮም ዝነበሩ መገዲታት እውን ክፍቲ ከምዝኾኑ ፖሊስ ዝሓበረ እንትኸውን፤ እቲ በዓል ንኽዕወት ኣስተዋፆኦ ንዝገበሩ ኣካላት፣ ሓላፍነቶም ብግቡእ ነዝተዋፅኡ ኣመራርሓን ኣባላትን ትካላት ፀፅታ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment