ስፓርት
ኣብ ከተማ ኣላማጣ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር ዓስራይ መላእ ፀወታታት ስፓርት ትግራይ ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ 23 ጥሪ ክሳብ 5 ለካቲት 2012 ዓ.ም ብኣሰናዳእነት ከተማ ኣላማጣ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር ዓስራይ መላእ ፀወታታት ስፓርት ትግራይ ሎሚ ተዛዚሙ።
ብውድድራት ኦሎምፒክ ሰቲት ሑመራ ብ44 ወርቂ፣ 28 ብሩርን 26 ነሓስን ብድምር ብ98 ሜዳልያታት ቐዳማይ ደረጃ ብምውፃእ ተሸላሚት ዋንጫ ኾይና።
ኣሰናዳኢት እቲ ውድድር ከተማ ኣላማጣ ድማ ብ19 ወርቂ፣ 5 ብሩርን 16 ነሓስን ብሓፈሻ ብ40 ሜዳልያታት ኻልኣይ ደረጃ ሒዛ።
ከተማ ሽረ እንዳስለሰ፥ ብ14 ወርቂ፣ 13 ብሩርን 12 ነሓስን…
Read More...
ኣትሌት ሳሙኤል ብሓንቲ ማይል ካልኣይ ቅፅበታዊ ሰዓት ዓመተ 2020 ኣመዝጊቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ብሓንቲ ማይል ካልኣይ ቅፅበታዊ ዓለም ለኻዊ ሰዓት ዓመተ 2020 ኣመዝጊቡ።
ውድድር ሓንቲ ማይል ውሽጢ ገዛ ትማሊ ኣብ ኣየርላንድ፣ ኣትሎን ተኻይዱ።
ብመሰረት እዚ ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ነቲ ውድድር ብ3 ደቒቓ 55 ሰከንድን 86 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ተዓዊቱ።
ስለዝኾነ ብሓንቲ…
ውድድር ብስክሌት ቱር ለካቲት ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ውድድር ብስክሌት "ቱር ለካቲት" ሽግ ሓርነት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተጀመረሉ በረኻ ደደቢት ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።
ኣብቲ ውድድር ብስክሌት፥ ካብ ቤልጅየም፣ ጀርመንን ኬንያን ዝተወከሉ ተቐዳደምቲ ይሳተፉ ኣለዉ።
ብተወሳኺ ካብ ክልል ደቡብ ወራቤ ከተማን ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከባ ትሽዓተ ጋንታታት ዝተውፃፅኡ ተቐዳደምቲ…
መቐለ 70 እንደርታ ብፋሲል ከነማ ተረቲዓ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ሓደ ፀወታ መበል 13 ሰሙን ፕሪሚየር-ሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ ብፋሲል ከነማ ተረቲዓ።
ኣብ ዓለም ለኸ ስታዲየም ትግራይ ዝተኻየደ እቲ ፀወታ ጋንታ ሙጂብ ቃሲም ኣብ ልዕሊ መቐለ 70 እንደርታ ብዘቑፀረን ክልተ ሸቶታት፥ ፋሲል ከነማ ክልተ ንባዶ ብምስዓር መሪሕ እቲ ሊግ ክትከውን ክኢላ ኣላ።…
መንግስቲ ትግራይ ብሕልፈት ኣትሌት ኣባዲ ሓዱሽ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መልእኽቲ መግለፂ ሓዘን ሕልፈት ኣትሌት ኣባዲ ሓዱሽ ኣመሓላሊፉ።
መንግስቲ እቲ ክልል ብቢሮ ርክብ ህዘብን መንግስትን ኣቢሉ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ብሃንደበታዊ ዕረፍቲ ኣትሌት ኣባዲ ሓዱሽ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ብሽም መንግስቲን ህዝብን ክልል ትግራይ ገሊፁ ኣሎ።
ንኣትሌት ኣባዲ ሓዱሽ…
ኣትሌት ኣባዲ ሓዲሽ ብሃንደበታዊ ሕማም ካብዚ ዓለም ተፈልዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ብዙሓት ዓለም ለኻን ኣህጉራዊን ውድድራት ንኢትዮጵያ ወኪሉ ዝተወዳደረን ዝተዓወተን ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ኣባዲ ሓዱሽ ካብዚ ዓለም ተፈልዩ።
ኣትሌት ኣባዲ ሓዲሽ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ኦሎምፒክን ሻምፒዮና ዓለምን ንሃገሩ ብምውካል ተሳቲፉ ኢዩ።
ኣትሌት ኣባዲ ኣብ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር ሕክምና እናተገበረሉ…
ኣብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ፋሲል ከነማን ሰበታ ከተማን ተዓዊተን
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 12 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ትማሊ ክልተ ቀሪ ፀወታታት ተኻይዶም።
ናብ ጎንደር ተጓዒዛ ኣብ ስታዲየም ፋሲለደስ ምስ ፋሲል ከነማ ዝገጠመት ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኚቨርሲቲ ብብሕታዊት ሸቶ ሙጂብ ቃሲም 1 ን 0 ስዕረት ኣተኣናጊዳ ተመሊሳ።
ሙጂብ ቃሲም መሪሕነት ኮኾብ መቑፀራይ ሽቶ ዘጠናኸረትሉ፣ ከምኡ እውን ጋንትኡ…