ስፓርት

ስፓርት

ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ዕዙዝ ውፅኢት ዘመዝገበ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስኮትላንድ ግላስኮው ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ዕዙዝ ውፅኢት ዘመዝገበ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት፣ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሓጋዚት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ፣ ዋና ፀሓፊ ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ዳዊት ኣስፋው፣ ኣመራርሓ እቲ ፌዴሬሽንን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣቀባብላ ገይሮምሉ።…
Read More...

ኣብ ግላስጎ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ 1ይቲ ብምዃን ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግላስጎ ዝተኻየደ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም ድማ ሓምሻይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ። እቲ ሻምፒዮና ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1 ክሳብ 3 ለካቲት ኣብ ርእሰ ከተማ ስኮትላንድ ግላስጎ እናተኻየደ ዝፀንሐ እንትኸውን÷ ኣብቲ ሻምፒዮና ካብ ልዕሊ 130 ሃገራት…

ኢትዮጵያ ብ1 ሺሕን 500 ከምኡ እውን ብ800 ሜትሮ ውድድር ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግላስጎ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮን ብ800 ሜትሮን ውድድር ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ። ኣብቲ ሻምፒዮና÷ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ፍሬወይኒ ሃይሉ 4:01.46 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ሜዳልያ ወርቂ ኣምፂኣ። ብተመሳሳሊ…

ኢትዮጵያ ቡና ንሲዳማ ቡናን 3 ን 0 ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 16 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ኢትዮጵያ ቡናን ሲዳማ ቡናን ተራኺበን ኢትዮጵያ ቡና 3 ን 0 ብዝኾ ውፅኢት ተዓዊታ፡፡ ኢትዮጵያ ቡና ንኅትዕወት ኣብዱልከሪም ወርቁ፣ ብሩክ በየነን ጊት ጋትኩት(ኣብ ናይ ባዕሉ መረብ)ን ኣቑፂሮምወን፡፡ መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቕፅል ካብ ምሸት ሰዓት 1 ኢትዮጵያ…

ኣብ ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሜዳሊያ ብሩርን ነሓስን ረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግላስጎ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሜዳሊያ ብሩርን ነሓስን ረኺቦም። ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍፃመ 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፥ ጉዳፍ ፀጋዬ 8:21.13 ብዝኾነ ሰዓት ውድድራ ብምዝዛም 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ተሸላሚት ሜዳልያ ብሩር ኮይና፡፡ ለምለም ሃይሉ…

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ምፅራይ ዓለም ለኸ ውድድር ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ቀዳሞት ብምዃን ከምዝሓለፋ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ምፅራይ ዓለም ለኸ ዝተፋፈዩ ውድድራት ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ቀዳሞት ብምዃን ከምዝሓለፋ ተገሊፁ። ኣብ ግላስጎ ዓለም ለኸ ምፅራት 800 ሜትሮ ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ፥ ካብ ምድብ ሓደ ኣትሌት ሃብታም ኣለሙ ከምኡውን ምድብ ኣርባዕተ ፅጌ ዱጉማ 2 ደቒቓን 50 ማይክሮ ሰከንድን ቀዳሞት ኮይነን ብምእታው  …

ኣብ መበል 13 ፀወታታት መላእ ኣፍሪካ 149 ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ክሳተፉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጋና ኣክራ ኣብ ዝሳለጥ መበል 13 ፀወታታት መላእ ኣፍሪካ 149 ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ክሳተፉ ኢዮም ክብል ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርቲን ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት፥ ኣብቲ ፀወታ ባህለን ስፖርቲን ሃገርና ዝፋለጠሉ መድረኽ ኢዩ ኢሎም። እቲ መድረኽ ዲፕሎማሲ ስፖርት ንምጥንኻር…