ሸኔ ምስ ዝፀልኦን እናኣሰሩዎ ምስነበሩን ጉጅለታት ምትሕብባር እናፈጠረ ይርከብ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሸኔ ዝተበገሰሉ ዕላማ ብምርሳዕ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ምስ ዝርከቡ ሸኔታት ምትሕብባር ይፈጥር ኣሎ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ኦቢኤን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዛዕባ ዘሎ ፀገም ሰላም ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም ድማ ኣብ ክልል ኦሮሚያን ኣብ መላእ ሃገርን እናተረኣዩ ዝርከቡ ፀገማት ዝተፈላለዩ መበገሲ ምኽንያታት ከም ዘለዎም ገሊፆም።

ሓደ ካብቶም ፀገማት ናብ ዲሞክራሲ ዝግበር ፖለቲካዊ ስግግር መሰል ባህሪ ከም ዘለዎ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስር፤ ተፀቒጡ ብሓይሊ እናተመሓደረ ዝነበረ ፖለቲካ ዲሞክራሲያዊ ንምግባር ክፍቲ እንትግበር ከምዚ ዓይነት ባህሪ ከርኢ ከም ዝኽእል ኣብሪሆም።

ኣብቲ ሂደት ኩሉ ሰብ ማዕረ ዝኾነ ሓይሊ ከም ዘለዎ ስለ ዝኣምንን ብሓይሊ ድሌቱ ንምዕዋት ብሓይሊ ስልጣን ንምሓዝን ብሓይሊ ዝደለዮ ነገር ንምግባርን ብምእማን ንእሽተይ ምግጫውን ምርብባሽን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ታሪኽ ዓለም ዝፍለጥ ተርእዮ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ስርዓት ብዛዕባ ዲሞክራሲ ንምልምማድ ድሉው ከምዘይነበረ ይፍለጥ፤ ዓፊኑ ብመሓዝ ብሓይሊ ይገዝእ ነይሩ ኢሎም።

ሓይሊ ተሪፉ ሚድያ እናሰፍሐ ኩሉ ሰብ ዝደለዮ ክዛረብን ክነብርን ክጅምር እንተሎ ሓደ ሓደ ዝግበሩ ልምምዳ ክዝህልዉ ብምሕባር፤ ከምዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ተርእዮ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ከምዘጋጥም ኣብሪሆም።

ይኹን እምበር ኣብ መጀመርታ ከምዚ ዓይነት ባህሪ እንተሃለወ እውን ድሕሪ ግዜ እቲ ከይዲ እናተረጋግአ ናብ ዘተን ምክክርን ምስግጋሩ ኣይተርፍን ኢሎም ኣብ መብርሂኦም።

ካብ ዝተፈላለዩ መበገሲታት ተበጊስካ ብሓይሊ ዝደለኽዎ ክፍፅም ይኽእል እየ ዝብል ሓይሊ ሕዚ ሓደ ብሓደ እንተመርመርካዮ መልሲ ክትረኽበሉ ትኽእል ኢኻ ክብሉ እውን ኣገንዚቦም።

ንኣብነት ሸኔ እናነቐፈና ዝነበረ ምስ ብሄራትን ብሄረሰባትን ምትሕብባር ብምፍጣር ሕቶ ኦሮሞ ረሲዑን ክሒዱን ንርእሱ ስልጣን ሒዙ ዝብል እዩ ነይሩ ኢሎም።

ነዚ ንምፍታሕ ድማ መንግስቲ ተቓሊሰ ብምስዓር ዝበልክዎ ዓወት ከምፅእ ይኽእል እየ ኢሉ ይኣምን ነይሩ፤ ሎሚ ግና በይነይ ኣይክእልን ኢሉ ብምእማኑ ምስቶም ዝፀልኦምን ኣቐዲሙ ክነቕፎም ዝፀንሐን ጉጅለታት ምትሕብባር እንተዘይፈጢረ ኣይክእልን እናበለ ከምዝርከብ ፀሪሐም።

ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራን ክልል ትግራይን ምስ ዝርከቡ ሸኔታት ምትሕብባር እናፈጠረ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ሸኔታት ድማ ትማሊ ሸኔ ኣብ ኦሮሚያ ፀገም እናፈጠረ እዩ፤ መንግስቲ ዜጋታት ካብ ሸኔ እናተኸላኸለሎም ኣይኮነን፤ ኣብ ልዕሊ ሸኔ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ብምባል ሕቶ ብምልዓል ቃልሲ ክጅምሩ ከምዝፀንሑ ኣዘኻኺሮም።

ሕዚ ግና በይንና ነዚ መንግስቲ ዝኾነ ነገር ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና፤ ስለዚ ምስ ሸኔ ምትሕብባር እንተዘይፈጢርና ኣይንኽእልን እናበሉ ከምዘለዉ ኣገንዚቦም።

ይህም አይሆንም እንደተለመደው ድል የእኛ ነው ፤ ምክንያቱም ጥያቄያችን ትክክል ነው ብለዋል ጠቅላይ ሚኒስትር ዐቢይ (ዶ/ር)፡፡

ብተመሳሳሊ ወያኔ ትማሊ ካባይ ወፃእ ውግእ ዝኽእልን ዝዕወትን የለን፤ ካባይ ወፃእ ሃገር ከመሓድር ዝኽእል የለን፤ በይነይ ተዋጊአ ንኹሉ ኣፅርየ ስልጣን ክመልስ እየ እናበለት ከምዘይነበረት፤ ሎሚ ድማ በይነይ ኣይክእልን እየ፤ ምስቲ ኣብ ክልል 3 ዘሎ ሸኔ እንተዘይኮይኑ ኣይክእልን እናበለት ከምዘላ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ እዞም ሓይልታት ኣብ ከይዲ እናተዳኸሙ ብምምፀኦምን ሓይሊ መንግስቲ ጥንኩር ምዃኑን ብምእማን ብሓባር እምበር በይንና ኣይንኽእልን እናበሉ ምህላዎም ከምዘርኢ ኣረዲኦም።

በዚ ጥራሕ እውን ኣይተወሰኑን ንደጋዊ ሓይልታት፣ ኤርትራን ሱዳንን ዓዲሞም ተወሳኺ ሓይሊ እናደለዩ ይርከቡ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ (ዶ/ር)፤ እዚ ድማ ናብ ዴሞክራሲ ዝግበር ስግግር፣ ውሽጣዊ ሓድነት እናጠንከረ ብምምፅኡ፤ እዞም ሓይልታት ብሓባር ተጠርኒፎም ማዕረ ዝኾነ ሓይሊ ንምፍጣር ፃዕሪ እናገበሩ ምህላዎም ዘርኢ እዩ ኢሎም።

እዚ እውን ግን ኣይኸውን ከምቲ ልሙድ ዓወት ናትና እዩ፤ ምኽንያቱ ሕቶና ቅኑዕ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)።

ብመላኩ ገድፍ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment