ሻምፕዮን ኦሊምፒክ ፓሪስ ጋቢ ቶማስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሻምፕዮን ኦሊምፒክ ፓሪስ ጋቢ ቶማስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትያ።
እታ ኣትሌት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወት ንፈለማ እዋን ብኢትዮጵያ ኣብ ተተኣናግዶ ግራንድ ፕሪክስ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ኣትሌቲክስ ንምስታፍ እዩ።
ኣሜሪካዊት ኣትሌት ጋቢ ኣብ 2024 ዓ.ም.ፈ ኣብ ፓሪስ ኦሊምፒክ 200 ሜትር ወርቂ መዳልያ ክትዓትር ከላ፤ ምስ ደቂ ጋንትኣ ድማ ንሃገራ ወርቂ መዳልያ ምዕዋታ ይዝኸር።
እታ ኣትሌት ኣብ ቡዳፔስት ብሩር መዳልያ፣ ኣብ ሻምፒዮን ዓለም ቶኪዮ ድማ ነሓስ ሜዳልያ ኣሸናፊት ምኳና ይፍለጥ።
ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን እተአንግዶ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓለም ለኸ ውድድር 10 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም ክካየድ እዩ።
Comments (0)
Add Comment