ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መዓልቲ ኣፍሪካ ምኽንያት ብምግባር ንመላእ ኣፍሪካውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንዃዕ ንመዓልቲ ኣፍሪካ ኣብፀሐኹም መልእኽቲ ኣሕሊፎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቅድሚ 63 ዓመታት ኣቦታት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኺቦም ነፃን ሕብርቲን ኣህጉር ንምህናፅ ዓብዩ ሕልሚ ከምዝሓለሙ ኣዘኻኺሮም።
እዚ ሓድነት ሕልሚ ክሳብ ሎሚ ከምዘይሃሰሰ ብምግላፅ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ብሓደ መንፈስ ሓድነት ደው ክትብል ቆራፅ ምዃና ኣረጋጊፆም።
ነታ ኣህጉር ንምብልፃግ ብዙሕ ንጥፈታት ስለዘሎ ካብ ቃላት ናብ ተግባር ምስግጋር ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።
ዓቕሚ እታ ኣህጉር ኣብ ረብሓ ንምውዓል ሓቢርና ናብ ዝዓበየ ብራኸ ክንበፅሕ ኢና ኢሎም።