ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ተዛቲዮም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ክልተኣዊ፣ ዞባዊን በዓል ብዙሕ ወገንን ሓባራዊ ትኹረት ኣብ ዝጠልቡ ጉዳያት ብዝምልከት ኣዝዩ ዕዉት ዝኾነ ናይ ስልኪ ዘተ ከምዘካየዱ ገሊፆም።
እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ዩናይትድ ስቴትስ ኣሜሪካን ዘሎ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ምሕዝነት ናብ ዝለዓለ ስትራቴጂካዊን ተግባራዊን ምሕዝነት ንምድንፋዕ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ቆራፅነት ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ዩናይትድ ስቴትስ ንኢትዮጵያ እትገብሮ ቀፃሊ ዝኾነ ሓገዝ ብዝምልከት ዝሃበቶ መረጋገፂ ከምዝንእዱ ኣመልኪቶም።
ክልተኣዊ ምትሕብባርና ንምጥንኻር ከምኡ እውን ኣብ ዞባዊን በዓል ብዙሕ ወገን መድረኻትን ቀዳምነት ኣብ እንህቦም ሓባራዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ዘለና ቆራፅነት የረጋግፅ ኢሎም።