ቀዳማይ ሚኒስትር ጃማይካ ኣንድሪው ሆልነስ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)መልእኽቲ እንኳዕ ደስ ኣበለኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ጃማይካ ኣንድሪው ሆልነስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዳግም ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ብምሻሞም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ ኣበለኩም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ ሃገሮም ጃማይካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ታሪኻዊ ምሕዝነትን ምትእስሳርን ልዑል ዋጋ ከም እትህቦ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኣብ መንጎ ጃማይካን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ንሓበራዊ ረብሓ ህዝብታት እቲ ምትሕብባር ዝያዳ ንምዕባይን ብቆራፅነት ከም ዝሰርሑ ኣመልኪቶም።

ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ካልኣይ ዘበነ ስረሖም ምሉእ ዓወት፣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ፅኑዕ ምዕባለ ብምምናይ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

Comments (0)
Add Comment