ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ ጋር ተዛቲዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ንሰለስተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ንምግባርን ኣብ ልውውጥ ተሞኩሮ ዝለዓለ ኣመራርሓ ዝሳተፍን ልኡኽ ዝመርሑ ምክትል ፕሬዚደንት ናይጄርያ ካሺም ሸቲማ ምስ ዝመርሕዎ ልኡኽን ከምዝተዛተዩ ገሊፆም።
ኢትዮጵያን ናይጄርያን ብዙሓት ብሄረሰባት፣ ብዙሓት ባህሊታትን ልዑል ቁፅሪ ህዝቢን ዘለወን ሃገራት እየን ክብሉ እውን ኣብሪሆም።
እዚ ድማ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ኣጠናኺርካ ንምቕፃልን ሓድሕዳዊ ልውውጥ ተሞኩሮ ንምግባርን ፅቡቕ ዕድል ዝህብ እዩ ኢሎም።