ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ መደመር ተበፃሒ፣ ዘተኣማምን፣ ተመጣጣኒን ዘላቒን ስርዓት ኢነርጂ ንምህናፅ ቆራፅ ምዃኑ ብዝፈፀሞም ዝተፈላለዩ ተግባራት ኣርእዩ እዩ።
ኢትዮጵያ ዝሓንፀፀቶ ሸቶ ተበፃሕነት ኤሌክትሪክ ንምዕዋት ጥንኩር ምትሕብባር፣ ቀፃሊ ዝኾነ ኢንቨስትመንትን ዕዙዝ ተሳትፎ ዘፈር ውልቀን ወሳኒ እዩ።
ኤሌክትሪክ ንስግግር ኢኮኖሚ፣ ንዕቤት ኢንዱስትሪ፣ ንመፍረያይነት ሕርሻን ንምምሕያሽ ኣገልግሎት ህዝቢን መሰረታዊ ተራ ኣለዎ። ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብተመጣጣኒ ዋጋ ተበፃሒ ንምግባርን ንዓወት ሓፈሻዊ ሸቶታት ልምዓት ሃገር ቁልፊ እጃም ንኽህልዎን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰፊሑ ተሰሪሑ እዩ።
ብፍላይ ካብ ሃገራዊ መርበብ ኤሌክትሪክ ርሒቖም ንዝርከቡ ማሕበረሰባትን ትካላት ንግዲን ዘላቒ ቀረብ ሓይሊን ንምርግጋፅ፣ ስርዓታት ቀረብ ሓይሊ ሶላር ኣብ ውሽጢ ገዛ፣ ኣናሽተይ መርበባት ኤሌክትሪክ ሶላርን መፍረያይነት ዘዕብዩ ቴክኖሎጂታት ኢነርጂን ተበፃሒ ንምግባር ተኻኢሉ እዩ።
ኢትዮጵያ ዘለዋ ሰፊሕ ሃፍቲ ዝሕደስ ሓይሊ ብግቡእ ምጥቃም፣ ድሕንነት ኢነርጂ የጠናኽር። ብተወሳኺ ዘላቒ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምምዝጋብን ዓቕሚ ምፅዋር ስርዓት ሓይሊ ንምዕባይን ልዐል ዕድል ይፈጥር።
ዘፈር ውልቀ ንልምዓት ኢነርጂ ዘበርክቶ ካፒታል፣ ቴክኒካዊ ፍልጠት፣ ፈጠራን ዓቕሚ ምክፍፋልን መፍትሒ ዝሕደስ ሓይሊ ብሰፊሑ ንምዝርጋሕ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣርን ዓቕሚ ምፍራይ ውሽጢ ሃገር ንምጥንኻርን ወሳኒ ብምዃኑ ብሓባር ይስራሕ ኣሎ።
እዚ ምውዳድ ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባር፣ ንፁር ማዕቐፍ ፖሊሲን ግቡእ ስርዓት ቁፅፅርን፣ ተበፃሕነት ፋይናንስን ሸርፊ ወፃኢን፣ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ዝምልከቶም ትካላት ውፅኢታዊ ምትሕብባር ንምፍጣር ይስራሕ ምህላዉ ሓበሬታ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን የመላኽት።
እቲ ሚኒስቴር ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት፣ ዘፈር ውልቀን መሻርኽቲ ልምዓትን ብምትሕብባር ብምስራሕ፤ ንኢትዮጵያ ተበፃሒ፣ ዘተኣማምን፣ ተመጣጣኒን ዘላቒን ስርዓት ኢነርጂ ንምህናፅ ብቆራፅነት ይሰርሕ ኣሎ።
ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንት ምጥንኻር፣ ሓደሽቲ ኣማራፂታት ፋይናንስ፣ ኣብ ሕርሻን ካልኦት መፍረይቲ ዘፈራትን ኣጠቓቕማ ዝሕደስ ሓይሊ፣ ከምኡ እውን ዓቕሚ ምፍራይ ውሽጢ ሃገርን ዕዳጋ ፅሩይ ኢነርጂን ምጥንኻር ትኹረት ተዋሂብዎ ኣሎ።