ብልፅግና ፓርቲ ኢኒሺየቲቭ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣፍሪካ ክመርሕ ተመሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምት፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ብልፅግና ፓርቲ ኢኒሺየቲቭ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣፍሪካ (APPS) ክመርሕ ተመሪፁ።

2ይ ጉባኤ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣፍሪካ፡ “ዕቤት ምምራሕ፡ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ከም መሃንዲሳት መፃኢ ቁጠባ ኣፍሪካ” ብዝብል ቴማ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ተኻይዱ።

ኣብቲ ጉባኤ ብልፅግና ፓርቲ ኢኒሺየቲቭ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣፍሪካ (APPI) ብላዕለዋይነት ንክመርሕ ብሙሉእ ድምፂ ከምዝተመረፀ ተገሊፁ።

እዚ ድማ ኣህጉራዊ ተሳትፎን ኣፍልጦን እቲ ፓርቲ ዘጉልሕ ዓብዪ ምዕራፍ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment