በዓላት ኣደባባይ ንብራኸ ዓውዲ ቱሪዝምን ንምርግጋፅ ዘላቒ ዕቤትን

ኣዲስ ኣበባ፣12 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ብዙሕ ዘርፍታት ዝሓቖፈ ኣንፈት ልምዓት እናተኸተለት እትርከብ፤ ቅድሚ ለውጢ ብዙሕ ትኹረት ዘይተዋህቦ ዝነበረ ዓውዲ ቱሪዝም እቲ ሓደ ካብ ዓንዲታት ዕቤታ ብምግባር ዓበይቲ ዓወታት ክትምዝግብ ክኢላ።

ኣብ ብራኸ ዝርከብ ዓውዲ ቱሪዝም፣ ማሕበራዊ ምትእስሳር ብምጥንኻርን ፅቡቕ ምስሊ ሃገርና ብምጉላሕን ዓብዩ ኣበርክቶ ካብ ዝገብር ብተወሳኺ ምስ ሸቶታት ዘላቒ ዕቤትና ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ እዩ።

ተፈጥሯዊን ሰብ ስራሕ መስሕባት ብግቡእ ብምልማዕ፣ መባፅሕ ቱሪዝም ንምግባር ከም ሃገርን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ሰፊሕ ፃዕሪ እናተኻየደ ይርከብ።

ልምዓታትና ንሓድሕዶም ዝደጋገፉ ምዃኖም ድማ ንሓፈሻዊ ዕቤትና ንምቅልጣፍ ምቹው መደላድል ፈጢሩ እዩ። ኣዲስ ኣበባ ከም ስማ ፅብቕቲ ዕምባባ ንምግባር እናተኻየዱ ዝርከቡ ብዙሓት ተግባራት፣ ደረጃ ናብራ ህዝቢ ካብ ምምሕያሽ ብተወሳኺ ንድሙቕ ኣከባብራ በዓላት ኣደባባይ ምቹው ኩነታት ፈጢሮም እዮም።

በዓላት ኣደባባይ ካብ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊን ህዝባዊን ክብርታት ብተወሳኺ፣ ኢኮኖሚያዊ ኣበርክቶኦም እውን ንእሽቶ ኣይኮነን።

ስርዓታት ኣከዳድና፣ ኣመጋግባን ኣተሓሕዛ ፅባቐን ዝተፈላለዩ ባህልታት ጉሊሖም ዝረኣዩሎም ናይ ሃገር ክብርታት ዘንፀባርቁ እንትኾ፤ ብተወሳኺ ድማ ኢኮኖሚ ምትእስሳር ህዝቢ ንህዝቢ የዕብዩ።

ኣብ ግዜ በዓላት ዕዳጋ ይውዕውዕ፣ ኢኮኖሚ ይነቃቃሕ። ቅድሚ በዓላት ብፍላይ ንግዲ ባህላዊ ክዳውንቲ ብጉሊሕ ይንቀሳቐስ። ንባህላዊ ምግብታት ንምድላው ዝጠቕሙ ጥረ ነገራት ንግዲ እውን ኣብቲ ግዜ ይውስኽ።

በዓላት ማሕበራዊ ምትእስሳራት ዝጠናኸሩሎም ስለዝኾኑ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኹም ዝተፈላለዩ ህያባት እውን ብምኽንያት በዓላት ብስፋት ይወሃቡ። ንበዓላት ንምኽባር ዝእከቡ ተሳተፍቲ፣ እቲ በዓል ንኽዝከር ዝሕግዙ ባህላዊ ንብረታት ምግዛእ እውን ልሙድ እዩ።

በዓላት ኣደባባይ ዋና መስሕባት ቱሪዝም ብምዃኖም፣ ንምንስራሕ ዓውዲ ቱሪዝም ዘይትካእ ግደ ይፃወቱ። ንኣብነት፣ ኣብ በዓላት መስቀል ደመራን ኢሬቻን ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ውሽጢ ሃገር ጥራይ ዘይኮኑስ፣ ብዙሓት ዜጋታት ወፃኢ ሃገራት እውን ይሳተፉ። በዚ ምኽንያት ድማ ቁጠባ ከተማናን ሃገርናን ብዓብዩ ብርኪ ይንቀሳቐስ።

ተሳተፍቲ ስምዒት በዓላት ንምክፋል ካብ ዝገዝኡዎም ዝተፈላለዩ ንብረታት ብተወሳኺ፣ ንሆቴላትን ካልኦት ኣገልግሎት ሃብቲ ትካላትን ዘይንእስ መጠን ወጻኢ ምንዛሪ ናብ ሃገርና ንኽኣቱ ሰፊሕ ዕድል ይፈጥሩ።

እቶም በዓላት ንተሳተፍቲ ኣዲስ ኣበባንን ሃገርናን ንምልላይ ዝኽእሉሎም ኣጋጣሚታት ብዙሓት ብምዃኖም፣ ቁፅሪ በፃሕቲ ዓመት ንዓመት እናወሰኸ ይመፅእ። በዚ ድማ ዓውዲ ቱሪዝም ዝያዳ ብራኸ ዕቤት ሃገርና የቀላጥፍን ዘላቕን ንኽኸውን ልዑል ግደ ይፃወት።

Comments (0)
Add Comment