በዓል ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር 21 ግዜ መድፍዕ ክትኮስ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፅባሕ 1 መስከረም 2019 ዓ.ም ዝኽበር በዓል ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር  21 ግዜ መድፍዕ ክትኮስ እዩ ኢሉ ሚኒስቴር ምክልኻል።

ብመሰረት እዚ ፅባሕ ወጋሕታ ሰዓት 12 እንትብል 21 ግዜ መድፍዕ ከምዝትኮስ ማእኸል ስራሕቲ ስፖርትን ኪነ-ጥበብን ሚኒስቴሪ ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ግቡእ ሓበሬታ ንኽህልዎም ክብል ላዕላይ ዋና መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

Comments (0)
Add Comment