ኣዲስ ኣበባ፣11 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቴሌቪዥን ትግራይ ሃገራዊ ረብሓ ኣብ ሓደጋ ዝኣቱ ከምኡውን ናብ ጎንፂ ዘእትው መልእክታት ብተኸታታሊ ብምምሕልላፉ እገዳ ተነቢሩሉ ኣሎ ኢሉ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ።
ቴሌቪዥን ትግራይ (Tigray TV) ምእጋዱ ዝምልከት ካብ በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ መግለፂ ከምዝስዕብ ክቀርብ እዩ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴሪኢን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈፀመ ስምምነት ሰላም ስዒቡ፣ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብዝገበሮ ዘተን ብዝተበፅሐ ስምምነት መሰረት፣ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ተላዒሉ ናብ ስራሕ ምምላሱ ዝፍለጥ እዩ።
ቅድሚ ሕዚ ብቤት ፅሕፈት በዓል መዚ ንጋዜጠኛታት ሰብ ሞያን ቴሌቪዥን ትግራይ ስልጠናታት ህንፀት ሰላምን ምዕባይ ዓቕሚ ሞያን ብምሃብ እቲ ሚዲያ ናብ ሕገ-መንግስታውን ሞያውን መስመር ንክምለስ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክገብር ፀኒሑ እዩ።
ይኹን እንበር ካብ ቀረባ እዋን ንነዘ ቴሌቪዥን ትግራይ ዝተዋህቦ ዕድል ተጠቒሙ ብሞያዊ ስነ-ምግባር ኣኽቢሩ ኣገልግሎት ክህብ እናተገበኦ፤ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ከምኡ ውን ሃገራዊ ረብሓ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፣ ናብ ጎንፂ ዝደፋፍን ፅንፈኝነት ዘበረታትዕ መልእክታት ብተኸታታሊ የመሓላልፈሉ ከም ዘሎ ውፅኢት ገምጋም ክትትል ትሕዝቶ ሚዲያ የረጋግፅ።
ብምዃኑ ድማ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ብሕጊ ዝተነበረሉ ሓላፍነት መሰረት ብምግባር፣ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ቴሌቪዥን ትግራይ ንዘይተወሰነ ግዜ እገዳ ከም ዝተነበረ ይገልፅ።
መተሓሳሰቢ ዝኾነ ይኹን ዲጂታላዊ፣ ብሮድካስት ይኹን ሚዲያ ሕትመት ንቴሌቪዥን ንትግራይ ከም ፍልፍል ሓበሬታ ምጥቃም ወይ እቲ ንቴሌቪዥን ጣቢያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዘመሓላልፎም ትሕዝቶታት ምምሕልላፍ ብጥብቒ ዝተኸልከለ እዩ።
ነዚ መምርሒ ተመሓላሊፉ ዝርከብ ኣብ ዝኾኑ ይኹን ሚዲያ እቲ ቤት ፅሕፈት በዓል መዚ ኣድላዪ ሕጋውን ምምሕዳራውን ስጉምትታት ዝወስድ ምዃኑ ብፅኑዕ የተሓሳስብ።
በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ ኢትዮጵያ