ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ “ኢሬቻ ንሃገራዊ ምርድዳእ” ብዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብድምቀት ክኽበር ጀሚሩ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣከባብራ በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ኣባ ገዳታትን ሃደ ሲንቄታትን ብምርቓት ኣጀሚሮምዎ።
ኣብቲ ኣከባብራ በዓል ኣባ ገዳታት፣ ኣባ መልካታት፣ ሃደ ሲንቄታትን መንእሰያትን ሓዊሱ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመፁ ክፍልታት ሕብረተሰብን ተረኺቦም።
ኢሬቻ ህዝቢ ኦሮሞ እዋን ክረምቲ ብሰላም ምዝዛሙ ስዒቡ ንኹሉ ነገር ዝፈጠረ ፈጣሪ (ዋቃ) ምስጋና ዘቕርበሉ በዓል እዩ።
#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝቢ #ዓብዩራእይ